ኣፈኛ ሰራዊት ምልክኻል እስራኤል፣ ነዚ መግለጺ ዝሃበ፣ ብድሕሪ’ቲ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ደማስቆ ሶርያ ዝርከብ ቆንስላዊ ህንጻ ኢራን ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ምክያዳ እዩ።
ኣብቲ እስራኤል ምሉእ ብምሉእ ዘዕነወቶ ቆንስላዊ ቤት-ጽሕፈት ኢራን፣ ናይ ሶርያን ሊባኖንስ ከምኡ’ውን ናይ ኢራን ላዕለዎት መኮነናትን ክልተ ጀነራላትን ከም ዝተቐትሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኢራን ሎሚ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከቢድ ግብረ-መልሲ ከም ትወስድ ኣፍሊጣ ነይራ እያ። በዚ መሰረት፣ ኣፈኛ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ዳንኤል ሃጋሪ፣ እስራኤል ንዝኾነ ክመጽኣ ዝኽእል መጥቃዕቲ ንምምካት ድልውቲ ከም ዘላ ብምሕባር፣ ሃገሩ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ብዝተፈላለየ ግንባር ንዝመጻ መጥቃዕቲ መኪታ ከም ዘፍሸለት ብምግላጽ ሕጂ’ውን እንተኾነ ካብ ኢራን ይኹን ካብ ካልኦት ሓይልታት ክመጽእ ንዝኽእል ናይ መጥቃዕቲ ፈተናታት ክትከላኸል ጥራይ ዘይኰነት ኣብ ልዕሊ መጥቃዕቲ ዘካየደ ኣካል ናይ ምድምሳስ ስጉምቲ ከም ትወስድ ከጠንቅቕ ተሰሚዑ ኣሎ።
ዳንኤል ሃጋሪ ወሲኹ፣ ንንዕቖ ጸላኢ ስለ ዘየለ ዘመናውያን ናይ ውግእ ነፈርትናን ኣጽዋራትናን ኣብ ተጠንቀቕ እዮም ዘለው፣ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ድማ ክመጽእ ንዝኽእል ኩሉ ዓይነት መጥቃዕቲ ንምምካትን ንምጥቃዕን ኣብ ኩሉ ዶባት እስራኤል ከም ወትሩ ኣድላይ ዘበለ ምድላዋት ብምግባር ቦትኡ ሒዙ ከም ዘሎ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኢራን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጥቅምቲ ጀሚራ፣ ኣድላይ ‘ተኾይኑ ምስ እስራኤል ይኹን ምስ ኣሜሪካ ቀጥታዊ ኲናት ናይ ምኽያድ መደባ ኣብ ቦትኡ ከም ዘሎ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ። ብመሰረት ተንተንቲ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕ፣ ናይ እስራኤልን ኢራንን ግጭት ዘይተርፍ ከም ዝኾነ ክግለጽ ከሎ፣ ኣሜሪካ ምናልባት ከጋጥም ንዝኽእል ኩነታት ብቐረባ ንምክትታልን ኣብ ጎኒ እስራኤል ንምስላፍን ወተሃደራዊ ኣጽዋር ዝጸዓነት መርከባ ናብ እስራኤል ገጻ ከም ዘጸግዐት ክሕበር ቀንዩ እዩ።
ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና፣ ብምኽንያት እቲ እስራኤል ተካይዶ ዘሎ ኣልማማዊ ናይ ኣየር ድብደባ፣ ኣብ መንጎ ምምሕዳር ዋሺንግተንን እስራኤልን ዘይምቅዳው ነጊሱ ከም ዘሎ ክሕብራ እኳ እንተቐነያ፣ ኣሜሪካ ምስ እስራኤል ዘለዋ ምሕዝነትን ምስ ኢራን ዘለዋ ጽልእን መትከላዊ ብምዃኑ፣ ዘጋጠመ የጋጥም ኣሜሪካን ሃገራት ምዕራብን ኣብ ጎኒ እስራኤል ከም ዝስለፋ ፓለቲካዊ ትንታነ ልሂቓን የረድእ። እስራኤል ናይ ክተት ኣዋጅ ብምውጻእ ድሮ ነቶም ተጠባበቕቲ ኣባላት ሰራዊት ዝኾኑ ዜጋታታ ክትጽውዕ ከላ፣ ነቶ ኣብ መሳርዕ ሓይልታት ምክልኻል ዝርከቡ ኣባላት ድማ ንጊዜኡ ናይ ዕረፍቲ ፍቓድ ደው ከም ዝበለት ይግለጽ ኣሎ።
ኢራን እቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቆንስላዊ ቤትጽሕፈታ ዝወሰደቶ ክልተ ጀነራላትን ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ኢራንን ሶርያን ሊባኖስን ዝቐተለ ናይ ምድምሳስ ስጉምቲ ፈጺማ ንኸይትደግሞ ትምህርቲ ዝህብ ዓጸፌታዊ ግብረ-መልሲ ክትህብ ምዃና ብዝገለጸቶ መሰረት ሎሚ ዓርቢ ወይ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ምስ ትፍኑ፣ ንመላእ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ዓውደ ኲናት ዝሸምም ኲናት ክውላዕ ከም ዝኽእል እዩ ዝሕበር ዘሎ።
ምንጪ Israel Defence Force, official Youtube chanel!!