ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ነቶም ንሶፎንያስ ኣስራት ዝቐተሉ መንነቶም ዘይተፈልጠ ገበነኛታት ምስታ ዝተሰርቀት መኪና፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ ይርከብ።
እቲ መርማሪን ጉጅለ ምክትታልን ገበነኛታት፡ እቲ ገበን ንምቁጽጻር ለይትን ቀትርን ንምትሓዞም ከም ዝሰርሐ ፖሊስ ገሊጹ ይርከብ።
ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ፡ወረዳ 5 ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ስሙ መሰልጠኒ ምዝዋር መካይን (ማሰልጠኛ) ኣብ ዝርከብ ከባቢ ናብ ቤተክርስትያን ኣቦ ሳሪስ ናብ ዝወስድ መንገዲ መንእሰይ ሶፎንያስ ኣስራት ሞይቱ ከም ዝተረኽበ እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ጸብጻብ ቅትለት እቲ መንእሰይ ዝበጽሖ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ መንነት ቀተልቲ ንምፍላጥን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብን ጉጅለታት ምርመራን ምክትታልን ኣጣይሱ ከም ዘሎ ጠቒሱ ይርከብ።
እቶም ገበነኛታት ገበን ክፍጽሙ መደብ ኣውጺኦምን ተወዲቦምን፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝደልዩ መሲሎም ናብቲ መራሒ መኪና ቀሪቦም፡ ብገመድ ሓኒቖሞ፡ ቀቲሎምዎ፡ ሬስኡ ኣብቲ ናብ ቤተ-ክርስትያን ኣቦ ሳሪስ ዝወስድ ጽርግያ ኣብ ከባቢ ማሰልጠኛ ደርብዮሞ ከም ዝኸዱ ጸብጻብ ፖሊስ ይሕብር።
ፖሊስ ነታ እቶም ገበነኛታት ዝሰረቕዋ መኪናን ነቶም ሰለስተ ኣብቲ ገበን ዝወዓሉ ዝበሎም ገበነኛታትን እታ ዝተሰርቀት መኪናን ሓዊሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተዎም ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ ካብ ኢድ እቶም ገበነኛታት ዋናንነቶም ዘይተፈልጡ፡ 7 ናይ ሞባይል ሲም ካርድታት ብምሓዝ ዘካየዶ ዘሎ ምርመራ ይቕጽል ከምዘሎ ሓቢሩ።
እቲ ገበን ብሕቡእ ዝተፈጸመን መንነቶም ዘይፍለጥን እኳ እንተነበረ፡ ፖሊስ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ፈጸምቲ እቲ ገበን ብምልላይ፡ ሰለስተ ካብቶም ቀንዲ ፈጸምቲ እቲ ገበንን ተሓባበርቶምን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተወ ጠቒሱ።
ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ነዚ ዕዮ ንምዕዋት ካብ ልቢ ዝተሓባበሩ ኣካላት ብምምስጋን፡መስርሕ ፖሊሳዊ ምርመራ ምስ ተወድአ ውጽኢት እቲ ብሕጋዊ ኣግባብ ንህዝቢ ከም ዝግለጽ ኣፍሊጡ ይርከብ።
ፖሊስ፡ኣገልግሎት ታክሲ (ራይድን ካልእን) ዝህቡ መራሕቲ መካይን ነቲ ሕጊ ክኽተሉን ሰነድ መመልከቲ ጉዕዞኦምን ብስሩዕ ክምዝገቡን ፖሊስ ከም ዝተሓሳሰበ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የመልክት።
መዘኻኸሪ ስእሊ ሰፎንያስ ንክብሪ ስድሪቤቱ ብምሕሳብ ካብ ምዝርግሑ ተቖጢብና ኣለና።