ቅድሚ 30 ዓመት ልክዕ ከምዛ ሎሚ ሚያዝያ 6 1994, ናይቲ እዋን ፕረሲደንት ዝነበረ ጁቨናል ሃብያሪማና ምስ ናይ ብሩንዲ መዝንኡ ሳይፕሬን ንታርያሚራ፣ ፋልኮን 50 ብዝተባህለት ናይ ግሊ ነፋሪት እናተጓዕዙ እንከለው፣ ኣብ ጥቓ ናይ ኪጋሊ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ፣ ብዝተፈነወሎም መጥቃዕቲ ተሃሪሞም ኣብ ዝወደቕሉ፡ ንሶምን ኣብታ ነፋሪት ተሳፊሮም ዝነበሩ ካልኦት መሰነይትን ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ይዝከር።
እዚ ናይ 6 ሚያዝያ ሕማቕ ኣጋጣሚ፣ ዝወልዖ ቁጥዐን ምልዕዓልን ድማ ነቲ ዛጊት ዓለምና ካብ ዝርኣየቶም ኣሰቐቕቲ ዓሌታዊ ጽንተት ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ህይወት 800.000 ቱትሲ ብኣረሜናዊ ኣገባብ ዝተቐትልሉ ብርዋንዳ ጀኖሳይድ ዝፍለጥ ህልቂት እዩ ኣኸቲሉ።
እቲ ህልቂት ብቐንዱ ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ዩጋንዳ ኣስታት 15% ጥራይ ዝኸውን ቁጽሪ ዝሽፍኑ ዓሌት ቱትሲ ዝተፈጸመ እኳ እንተኾነ፣ ዓሌቱ ብዘየገድስ ነቲ ኣረሜናዊ ተግባር ዝተቓወመ ዘበለ ውን ግዳይ ቅትለት ከም ዝዀነ እዩ ዝሕበር።
እቲ ሚያዝያ 6 ዝተወልዐ ህልቂት ሩዋንዳ፣ ብዓቢኡ ንፍሸለት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣሜሪካን ከም በዓል በልጁም ዝኣመሰላ ሃገራት ምዕራብን ዝሰነደ ጸሊም ታሪኽ ዓለምና እዩ።
ናይ ትካል ቢቢሲ ስራሕተኛ ዝዀነት ኣብቲ እዋን ካብቲ ዘስካሕክሕ ህልቂት ንስክላ ዘምለጠት ውጻእ መዓት ቪክቶርያ ኣዎንኩንዳ፣ ድሕሪ 30 ዓመት ርዋንዳውያን ከመይ ይነብሩ ከም ዘለው ናይ ዕርቕን ሰላምን ኩነታት እታ ሃገር ብሓፈሻ ንምድህሳስ ናብ ሩዋንዳ ብምምራሕ፣ ነቲ ሰለስተ ዕቑድ ዘሕለፈ ፍጻሜ ብምሕንቕናቕ ትዝክር።
ጋዜጠኛ ቪክቶርያ ኣብቲ እዋን’ቲ ጓል 12 ዓመት ከም ዝነበረት ብምግላጽ እቲ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝተፈጸመ ህልቂት ሩዋንዳ ንህይወታ ቁልቁል ዝደፍአ ኣጋጣሚ ከም ዝኾነ እያ ትገልጽ። ንሳ እቲ ናይቲ እዋን ዘስካሕክሕ ፍጻሜ ዝሓደገላ ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ ክሳብ ሕጂ ከም ዘይሃሰሰ ብምሕባር፣ ድሕሪ 30 ዓመታት ናብ ሃገራ ኣብ ዝተመለሰትሉ ኣብ መዳይ ትሕተ-ቅርጺ ርዋንዳ ርኡይ ዕብየት ከም ዘምጽአት መስኪራ። ይኹን እምበር፣ ምስቲ ናይ ቅድሚ 30 ዓመታት ፍጻሜ ተተሓሒዙ ርዋንዳውያን ከመይ ኢሎም ብሰላም ይነብሩ ከም ዘለው ክትፈልጥ ግና ህንጡይነት ኣሕዲራ ከም ዘላ ገሊጻ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ዝናሽ ታያቸው፣ ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም ሎሚ መጋቢት 6 ናብ ርእሰ-ከተማ ርዋንዳ ዝኾነት ኪጋሊ ኣትዩ ከም ዘሎ EBC ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ገሊጹ።