ብምኽትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ፈደረሽን ሩስያ – ቫይስ ኣድሚራል ቭላድሚር ካሳቶኖቭ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ሓይልታት ምክልኻል ፈደረሽን ሩስያ፡ካብ ዕለት 1 ሚያዝያ ኣብ ኤርትራ ካካይዶ ዝጸንሐ ዑደት ዛዚሙ፡ ሎሚ ሰዓት 6፡00 ንግሆ ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ከም ዝተፋነወ ጸብጻብ ማዕከን ዜና ዉሽጢ ዓዲ ሓቢሩ።
ትማሊ መራሒ ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ብኣድሚራል ቭላድሚር ካሳቶኖቭ ዝተመርሐ ወተሃደራዊ ልኡኽ ኣብ መቀበል ኣጋይሽ ቤተ-መንግስቲ ደንደን ተቐቢሉ ከም ዘዘራረቦ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ይሕብር።
ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሩስያ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምውጋኑ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ብትሪ ንመግስቲ ሩስያ ይወቕስ ምንባሩ ዝዝክሩ ብዙሓት እዮም።
ናይ ጸላእየይ ጸላኢ ፈታውየይ ዝሕላገቱ ፖለቲካ ህግደፍ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ህልኽን ጽልእን ብምእታዉ ምስ ሩስያ ሓድሽ ዝምድና መስሪቱ ኣብ ስምዑለይ-ረኣዩለይ ፖለቲካ ድራማ ከም ዝርከብ ተነተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።
እዚ ርክባት ኤርትራን ሩስያን ኣብ ረብሓን ጥቕምን ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ፋይዳ ኣሎዎ ዝብል ሕቶ ደለይቲ ፍትሒ ኰይኑ ከም ዘሎ ጸብጻባት የረድኡ።
ደገፍቲ ህግደፍ ድማ እቲ ምስ ሩስያ ተጀሚሩ ዘሎ ዝምድናን ምሕዝነትን ከም ሓደ ዓቢይ ዓወት ገይሮም ክገልጽዎ ከምዝረኣዩ ተዓዘብቲ የገንዝቡ።