ንመጥቃዕቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ስዒቡ፡ኣብ ከተማ ቴህራን፥ኣብ ፈቐዶ መዐደሊ ነዳዲ፡ነዊሕ መስርዕ ተራእዩ።
ኢራን፡ኣብ ልዕሊ እስራኤል ናብ ሰንበት ዘውግሕ ለይቲ ዝጀመረ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዳ፡ኣብ ርእሰ ከተማ ቴህራን፡ኣብ ፈቐዶ መዐደሊ ነዳዲ፡ነዊሕ መስርዕ ከም ዝተርኣየ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ዓለም ሓቢሩ።
ላዕለዎት ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢራን ከም ግብረ-መልሲ እስራኤል ኣብ ሶርያ ዘካየደቶ ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢራን ዝቐተለ መጥቃዕቲ፡ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕታት ሚሳይልን ድሮንን ምክያዶም ብኽልቲኦም ወገናት ተገሊጹ እዩ።
መንግስቲ እስራኤል ግን ነቲ ኣብ ሶርያ፡ንኢራን ዝዓለመ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ኣይወሰደትሉን፥ፈጺመዮ እየ ኢላ እውን ዛጊት ከምዘይገለጸት ዝፍለጥ’ዩ።