ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ እስራኤል ክትቅጻዕ ምዃና ፈኪሩ
——————–0——————
እስራኤል፡ ከም ሕነ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ኢራን ኣብ ሶርያ ዘካየደቶ ደብዳብ፡ ግቡእ ግብረ-መልስን መቕጻዕትን ክትቅበል ምዃና፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ሑሴን ኣሚር ዓብዱላህያን ፈኪሩ።
ነሱ ነዚ ከቢድ ሓይለ-ቃል ዘስምዐ፡ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ከተማ ደማስቆ ምስ ሶርያዊ መዘንኡ ፈይሰል መቕዳድ ኣብ ዘካየዶ ርክብ እዩ።
“ውሕስነት ጸጥታ ሶርያ ከም ውሕስነት ጸጥታና ኢና እንርእዮ” ዝበለ እቲ ኢራናዊ በዓል መዚ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ኢራን ኣብ ሶርያ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ እስራኤል ንኣህጉራዊ ሕጋጋትን ሰብኣዊ ሕግን ግዲ ከምዘይብላ ዘነጽር ምዃኑ ኣነጺሩ።
እቲ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣስዒቡ፡ ስርዓት ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ ኣብ ጻዕረ-ሞት ከምዝርከብን፡ እቲ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናት ካብ ሞት ከምዘየድሕኖን ገሊጹ።
እቲ ሶርያዊ መዘንኡ ብግዲኡ፡ እቲ “ገበነኛ ጽዮናዊ ስርዓት” ዝኾነ ይኹን ኣህጉራዊ ሕጋጋትን መትከላትን፡ ከምኡውን ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘየኽብር ብምምልካት፡ ሶርያን ኢራንን ንእስራኤል ኣፍልጦ ከምዘይብለን ኣረጋጊጹ።
እስራኤል፡ ብ01 ሚያዝያ ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ኢራን ኣብ ደማስቆ ብዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ክልተ ጀነራላት ዝርከብዎም ሸውዓተ ኢራናውያን ሙማቶም ይዝከር።
Photo credit : Atta Kenare/AFP