ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኣባላቱ ግቡእ ጥንቃቐ ክገብሩ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ስርዓት ህግደፍ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከባቢ ሚለንየም ኣዳራሽ ንዝተጋጠመ ምልውዋጥ ቶኽሲ ስዒቡ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኣባላቱ ግቡእ ጥንቃቐ ክገብሩ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈ ካብ ዉሽጢ ዓዲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ቕድሚ እቲ ኣብ ከባቢ ቦሌ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ኣባላት ፋኖ ዝኾኑ ውልቀ-ሰባትን ዘጋጠመ ብናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ዝተሰነየ ጎንጺ፣ ኣብ ልዕሊ ካብ ኤርትራ ዝመጹ ዝዀኑ ኣጋይሽ ዕቱብ ክትትልን ተፍትሽን ክኻየድ ከም ዝቐነየ ካብ ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ናብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ኣጋይሽ ንኤርሳት ዝሃብዎ ሓበሬታ የረድእ።
ERISAT:ሓደ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝኾነ ግለ-ሰብ፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ሰሙን ብመገሻ ምኽንያት ኣብ ዝመጸሉ እዋን ካብቲ ቕድሚ ሕጂ ዝነበረ ዝተፈልየ ኣገባብ ፍተሻ ምስ ክግበረሉ ምስ ተዓዘበ ሕቶ ከም ዝፈጠረሉ ምንጭታት ትካል ኤሪሳት ካብ ኣዲስ ኣበባ ገሊጾም።
እቶም ምንጭታት ወሲኾም ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ዝጉዓዙ ኢትዮጵያውያን ኣጋይሽ ተመሳሳሊ ኣገባብ ፍተሻ ከም ዝካየድ ንትካል ኤሪሳት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም።
መንግስቲ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ነቲ ትማሊ ዓርቢ ዝተፈጸመ ክስተት ብቀሊሉ ክርእይዎ ከም ዘይከኣሉን ኣብ ጉዳይ ጸጥታን ድሕነትን ኢትዮጵያን ሕቶ ከላዓዕል ከም ዝኸኣለን ነቲ ጉዳይ ቕርበት ዘሎዎም ኣካላት ይሕብሩ።