ብመንግስቲ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝጸንሑ 46 ተጋሩ ተፈቲሖም
——————–0——————
ኣብ ውግእ ክልል ትግራይ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናይቲ ክልል ናብ ኤርትራ ተወሲዶም ብመንግስቲ ኤርትራ ተኣሲሮም ካብ ዝጸንሑ ተወላዶ ትግራይ፡ እቶም 46 ተፈቲሖም ትማሊ ከተማ ሸራሮ ከምዝኣተዉ ተሓቢሩ።
ከንቲባ ከተማ ሸራሮ ኣቶ ሙሉ ብርሃነ ንመርበብ ዜና ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም እሱራት ኣብ ርእሰ-ከተማ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝኾነት ባረንቱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምጽንሖም ትማሊ ቅድሚ ቀትሪ ብኣይሱዙ ዝዓይነታ መኪና ተጻዒኖም ሸራሮ ከምዝኣተዉ ኣረዲኡ።
እዞም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ተጋሩ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ክካየድ ብዝጸንሐ ዝርርብ፡ ብምሕረት ከምእተፈነዉ ዝገለጸ እቲ ከንቲባ፡ ኣብቲ እዋን ኲናት ከቢድ ዝበሃል ገበን ከምዘይፈጸሙ ድሕሪ ምርግጋጹ ክፍትሑ ከምእተወሰነ ኣገንዚቡ።
ኣብ ኤርትራ ካልኦት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ተጋሩ ከምዘለዉ ዝገለጸ ከንቲባ ከተማ ሸራሮ ኣቶ ሙሉ ብርሃነ፡ እዚ ናይ ትማሊ ውሳኔ፡ እቶም ተሪፎም ዘለዉ ተጋሩ እውን ክፍትሑ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ እምነቱ ገሊጹ።
ምንጪ ስእሊ፥ ኣኽሱማዊ ሜድያ