ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ክፍሊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ (ኦነግ) ዝዀነ ኣቶ በቴ ኡርጌሳ ሰሉስ 9/4/2024 ተቐቲሉ ሬሳኡ ድማ ረቡዕ ንግሆ ምድሪ ተደርብዩ ከም ዝተረኽበ እቲ ሰልፊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቲ ወዲ 41 ዓመት ዝዀነ ኣቶ በቴ፡ ምስ ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ኣንቶኒ ጋሊንዶ ብ22 ለካቲት ን15 መዓልታት ድሕሪ ምእሳሩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ዩ ብዋሕስ ካብ ማእሰርቲ ከም ዝወጸ ጸብጻብ ኣዲስ እስታንዳርድ የመልክት።
ኣቶ በቴ፡ ኣብታ መበቆል ዓዱ ዝዀነት ከተማ መቂ ምምሕዳር ምብራቕ ሽዋ’ዩ ከም ዝተቐትለ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር የረድኡ።
ኣቐዲሙ፡ብሰሉስ ምሸት ብመንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ካብቲ ዝነበሮ ሆቴል ምውሳዱ ንስድራቤቱ ብምጥቃስ ምንጭታት ይሕብሩ።
ገለ ኣባላት ቤተሰቡ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ንኣቶ በቴ ካብ ዝነበሮ ሆቴል ዝወሰድዎ ኣካላት ጸጥታ መንግስቲ ከም ዝኾኑ የገንዝቡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክፍተት ጸጥታን ውሕስነት ድሕነትን እናገደደ፡ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ብዝወጽዎ ሞይቶም ወይ ተቐቲሎም ዝርከቡ ግዳያት ምስማዕ ልሙድ ተርእዮ ይኸውን ከም ዘሎ ተዓዘብቲ የረድኡ።