#
#ኣብ ሓይልታት ትግራይን ሓይልታት ኣምሓራን ዳግም ጎንጺ ከይለዓል ዘስግእ ኩነታት ይኽሰት ከም ዘሎ ተገሊጹ።
እቲ ንምትግባሩ ዝደንጎየ ብስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፍለጥ ውዕል፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ደማዊ ኩናት ተጻብኦታትን ደው ኣቢሉ ናብ መስርሕ ሰላም ዘእቱ ዕድል እኳ እንተኸፈተ፣ ተግባራውነቱ ምሒር ብምድንጓዩ ግና እቲ ኣብ መጀመርታ ተስፋ ተጌርዎ ዝነበረ ምትእምማን እናሓደረ ክሽርሸር እዩ ተራእዩ። ከም ውጺኢቱ ድማ ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ዝተራእየ ምዕባለታት፣ እቲ ዉዕል ንድሕሪት ከይምለስ ዘስግእ ኩነታት ከም ዘሎ ኤሪሳት ዘዛረበቶም ሓደ ሓደ ምሁራትን ፖለቲከኛታትን ኣረዲኦም።
ኣብ መንጎ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ክልል ኣምሓራን ክርአ ዝጸንሐ ሓድሕዳዊ ምውንጃልን ምክሳስን ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ንድሕሪት መሊሱ ንኽልቲኦም ወገናት ናብ ሓድሽ ጎንጺ ከይሽምም ኣብ ትግራይ ዝነጥፉ ፖለቲካውያን ውድባት ከጠንቅቑ ጸኒሖም እዮም።
ይኹን እምበር፣ እዚ ኣብ ኣላማጣን ከባቢኡን ዝተራእየ ምልውዋጥ ቶኽሲ፣ ሓይልታት ምልሻን፡ ኣምሓራ ፋኖን ካብቲ ቦታ ንኽወጹ ብተደጋጋሚ እኳ እንተተነገሮም ክሰምዑ ብዘይምኽእሎም ብኣፍልጦ ፌደራል መንግስቲ ዝግበር ዘሎ ከም ዝኰነ ትካል ኤሪሳት ንዝተፈላለዩ ምንጭታት ብምውካስ ዝረኸበቶ ሓበሬታ የገንዝብ።
ኣብ ርእሲ’ዚ ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ሓጺር መብርሂ ኣብ ዝሃበሉ፣ እቲ ዝተኸስተ ኲነታት ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ምምሕዳር ትግራይ ወይ ህወሓት ዝተገብረ ምልውዋጥ ቶክሲ ከም ዘይኰነ ብምሕባር፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ተረዳዲኦም ይሰርሑ ከም ዘለው ብምግላጹ፣ ሓይልታት ትግራይ ዝወስድዎ ዘለው ወተሃደራዊ ስጉምቲ ማእከላይ መንግስቲ ብዝሃቦ መምርሒ እዩ ዝብሉ ኣካላት ኣይትሳእኑን።