ኣብ ራያን ከባቢኡን ምልውዋጥ ቶኽሲ ከም ዘሎ ሓበሬታ ይዝርጋሕ ኣሎ።
ትካል ዜና ቢቢሲ ንምንጭታቱ ብምግላጽ ኣብ ከባቢ ራያ ካብ ትማሊ ቀዳም ኣትሒዙ ምልውዋጥ ቶኽሲ ከም ዘሎ ሓቢሩ ይርከብ።
ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት እንተኾነ ገለ ክፋል መሬት ትግራይ ካብቲ ብፋኖን መሻርኽቱን ተታሒዙ ከም ዝጸንሐ እናሻዕ ዝግለጽ ዓድታትን ከተማታትን ናብ ንቡር ቦትኡ ይምለስ ከም ዘሎ ብሰፊሑ ሎሚ መዓልቲ ይዝርጋሕ ከም ዘሎ ዳህሳሳት የመልክቱ።
መደበር ኤሪሳት ናብቲ ቦታ ኣብ ምድዋል ከም ትርከብን ካብ ዝምልከቶም ኣካል ሓበሬታ ንምርካብ ጻዕርታት ትገብር ብምህላዋ ኣብ ዝቕጽል ንዝህሉ ምዕባለታት ሒዝናልኩም ክንመጽእ ጻዕርታት ኣብ ምግባር ንርከብ ኣሎና።