ካሮል ሲማን ዝተባህለት ጓል ሰብዓ ዓመት እስራኤላዊት፣ ኣብታ ሓይልታት ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድንገታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸምሉላ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ መንበሪ ቤታ ዝተቐትለት ኣደ እያ።
ኣብታ ዕለት፣ ጆኒ ሲማን ዝተባህለ ወዳ፣ ታማር ትብሃል ሰይቲ ወዳ ከምኡ’ውን ሻሃር፣ ኣርበል፡ ኦመር ዝበሃሉ ደቂ ደቓ’ውን ብጅምላ እዮም ተቐቲሎም። ብመሰረት ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ዕጡቓት ጉጅለታት ሓማስ ናይ ገዛ ከልቢ ሓዊስካ ሽዱሽተ ትንፋስ ናይቲ ሓንቲ ስድራ ብኣሰቃቒ ኣገባብ ከም ዝቐተሉ እዩ ተሓቢሩ።
ብድሕሪ’ቲ ዘሕዝን ህልቂት ስድራ ቤታ ካሮል ሲማን፣ ብዕለት 10 ጥቅምቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይቶም ኣባላት ሓንቲ ስድራ ዝኾኑ ግዳያት ኣብ ኪቡዝ ላሃቭ ዝተባህለ ቦታ ከም ዝተፈጸመ ዘ-ታይምስ ዝተባህለ ትካል ሓበሬታ እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ።
ቴሪ ፔተርሰን ዝተባህለት ሓፍታ ንመዋቲት ካሮን ሲማን፣ ምስ ናይ ውሽጢ ሃገር ሜድያታት ኣብ ዝገበረቶ ዝርርብ፣ ካሮን ኣዝያ እትገርም ፈቃር፡ ንደቃ ብዘይ መጠን ትፈቱ ሕያወይቲ ሰብ እያ ነይራ ክትብል መሪር ሓዘን እናተሰምዓ ብዛዕባ ሓፍታ ተዛሪባ።
እታ ብጠቕላላ 11 ደቂ-ደቂ ዝነበርዋ ካሮል ሲማን መገሻ ትፍቱ ንዝተጸገሙ ብምሕጋዝ እትልለ ለጋስ ሰብ ከም ዝነበረት ኣባላት ስድራቤታ ይገልጹ።