ERISAT:ንኢትዮጵያን ሶማልን ንምርድዳእ ልዑል ሚስጥራዊ ምይይጥ ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ ።
ንኢትዮጵያን ሶማልን ንምርድዳእን ኣብ መንጎአን ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ንምፍኳስን ኣብ ከተማ ናይሮቢ – ኬንያ ኣዝዩ ሚስጥራዊ ምይይጥ ይካየድ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።
መራሒ ጂቡቲ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለን ኬንያዊ መዘንኡ ዊልያም ሩቶን፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን ንዘሎ ዘይምርድዳእ መፍትሒ ንምንዳይ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣዝዩ ሚስጥራዊ ምይይጥ እናዋደዱ ከምዝርከቡ፡ ምንጭታት በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት (ኢጋድ) ንጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣፍሊጦም።
ገለን ሩቶን ንኢትዮጵያውያንን ሶማላውያንን መራሕቲ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ይፍትኑ ከምዘለዉ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፡ በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት ኣብቲ መስርሕ ብዛዕባ ዝጻወቶ ዘሎ ተራ ካብ ምግላጽ ከምዝተቖጠበ ኣመልኪቱ።
ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝፈረምኦ፡ ብክልቲአን ወገናት ታሪኻዊ ምዃኑ ዝተነግረሉ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ከም ሉኡላዊት ሃገር ኣፍልጦ ክትህብ፡ ሶማሊላንድ ድማ፡ ንኢትዮጵያ ካብ ግዝኣታ ኣፍደገ ባሕሪ ክትህብ ዘኽእል እዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ስምምዕ ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ዝርዝራዊ ናይ ትግባረ ሰነድ ከውጽኡ ምዃኖም ብወግዒ ገሊጾም ነይሮም። ይኹንምበር፡ እቲ ሰነድ ክሳብ ሕጂ ተግባራዊ ክኸውን እኳ እንተነበሮ፡ ዛጊት ግን ኣብ ተግባር ኣይወዓለን።
መንግስቲ ሶማል፡ ነቲ ስምምዕ ኣትሪሩ ብምቅዋም፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝመስረቶ ክሲ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ሊግ ዓረብን ኣቕሪቡ እዩ። ኢትዮጵያ ነቲ ዝፈረመቶ ስምምዕ ክትስርዞ እውን ሓቲቱ ነይሩ።
ዝሓለፈ ሰሙን ዝቐረበ ናይ ሮይተርስ ዜና ከምዘመልክቶ፡ መራሒ ኬንያ ዊልያም ሩቶ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን ተኸሲቱ ዘሎ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ዞባዊ ናይ ባሕሪ ስምምዕ ከም ኣማራጺ ምቕራቡ ይዝከር።
ፕረዚደን ሶማል ሓሰን ሸኽ ቀቅድሚ ዒድ ኣልፈጥር ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ እንቋዕ ኣብጽሓኩም መልእኽቲ፡ ሶማል ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን እጀታኣ ከምዘይትትንከፍ ብምርግጋጽ፡ ዝኾነ ይኹን ኣካል ሓንቲ ኢንችውን ትኹን መሬታ ክወስድ ከምዘይተፍቅድ ኣኽሪሩ ምግላጹ ይዝከር።