ERISAT: ላዕለዎት ተወከልቲ ናይቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግናን ውድብ ህወሓትን ንመበል ካልኣይ ጊዜ ተራኺቦም።
ላዕለዎት ተወከልቲ ብልጽግናን ህወሓትን ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ 2 መጋቢት 2024 ኣብ ከተማ መቐለ ተራኺቦም ዝዘተይዎ፣ ሎሚ ዕለት 13 መጋቢት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከም እንደገና ተራኾቦም ከም ዝተመያየጡ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ብመሰረት ሓበሬታ ብመንግስቲ ዝውነና መራኸቢ ብዙሃን፣ ክልቲኦም ወገናት፣ ኣብ ቀጻልነት ዘለዎ መትከላዊ መስርሕ ሕድሕዳዊ ምዝርራብ ከም ዝተሰማምዑን፣ ኣብ ቀጻሊ ክዘራረቡሎም ዘለዎም ኣጀንዳታት ከም ዝሰርዑን ተሓቢሩ።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዙርያ እቲ ኣብ ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዛጊት ዝጥቀስ ስጉምትታት ከም ዘይወሰዱ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ መንጎ ሰልፊ ብጽግናን ውድብ ህውሓትን ዛጊት ምትእምማን ከም ዘይማዕበለ ብዝተፈላለያ ሜድያታት ብሰፊሑ ክግለጽ ዝጸንሐ እዩ።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ዝኾነ ኣቶ ሱሌማን ደደፎ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ዋላ እኳ ነዊሕ ከይጸንሐ እንተደምሰሶ ኣብ ናይ ትዊተር ድሕረ-ገጹ ህወሓት ከይተቐበረ ክእመን ዘይክእል ውድብ እዩ ኢሉ ጽሒፉ ምንባሩ ኣዛራቢ ኮይኑ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።
Photo Credit:Addis Standard