ERISAT:ሓበሬታ ካብ ኣዲስ ኣበባ
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ሰባት ከም ዝተገፈፉ መደበር ተለቪዥን ኤሪሳት፡ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኽቦታትን ምዝርጋሕና ዝፍለጥ’ዩ።
እንሆ ሎሚ ድማ ሓድሽ ብስራት ሒዝናልኩም መጺእና ኣሎና።
ካብቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘሎዎም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኢትዮጵያውያን ካብ ትማሊ ዓርቢ ኣትሒዞም ክፍትሑ ጀሚሮም ይርከቡ።
እቶም ትማሊ ካብ ከባቢ ቦሌ ዝርከብ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ዝተፈትሑ ኣጋጣሚ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን ኣባላት ጉጅለ ፋኖን ብዝተኸፍተ ምልውዋጥ ቶኽሲ ደጊሞም ክተሓዙ ከም ዝከኣሉ ካብ እሙናት ምንጭታትና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
እንሆ ሎሚ መዓልቲ ድማ ገሊኦም ክፍትሑ ጀሚሮም ከም ዘሎዉ እቶም ወሃብቲ ሓበሬታ ወሲኰም የረድኡ።
ገለ ገለ ተኣሲሮም ዝነበሩ ንኤሪሳት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣብቲ ተኣሲሮሞ ዝነበሩ ኣብያተ ማእሰርቲ ሕጽረት መግብን ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዘይቐረቡን ኣገንዚቦም።
ንመደበር ተለቪዥን ኤሪሳት ድማ ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ድምጺ ስለ ዝኰነቶም ምስጋንኦም ገሊጾም ኣሎዉ።
ነቶም ዘይተፈትሑ ዘሎው ድማ ክሳዕ ዝወጹ ድምጺ ክትኰኖም እቶም ዝተፈትሑ ለበዋ ኣቕሪቦም ይርከቡ።