ERISAT:ነቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ተኸቲሉ ኣብ ዕጹው ኣኼባ ዝቐነየ ናይ ኲናት ካቢነ እስራኤል፣ ብዛዕባ ተኽእሎታት ናብ ኢራን ዝቐንዐ ተሪር ግብረ-መልሲ ነዊሕ ዘተ ድሕሪ ምክያድ ኣኼብኡ ከም ዝዛዘመ ተፈሊጡ።
ይኹን እምበር እቶም ኣብ ካቢነ-ኲናት እስራኤል ዝተኣከቡ ሚንስተራት ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ኢራን ክውሰድ ዘለዎ ተማጣጣኒ ስጉምቲ ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ ዝበጽሑ ከም ዘይመስሉ፣ ዘ-ቴለግራፍ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ኣብ ካቢነ ኲናት እስራኤል ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ኣብ ጠረጴዛ ከም ዝቐረቡን፣ እቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ትወስዶ ዘሕምም ግብረ-መልሲ ግና ዞባዊ ዘይምርግጋእ ዝፈጥር ክኸውን ከም ዘይብሉ ገለ ካብቲ ብሰፊሑ ዝተዘርበሉ ዛዕባታት ከም ዝነበረ ቻነል-12 ዝተባህለ ሜድያ ናይ እስራኤል ገሊጹ።
ብዘይካዚ እቲ እስራኤል ቀጺላ እትወስዶ ስጉምቲ ናይ ምምሕዳር ዋሺንግተን ባርኾት ዘይብሉ ምስ ዝኸውን፣ ብቐሊሉ ተግባራዊ ክኸውን ከም ዘይክእል ተንተንቲ ፓለቲካ ማእከላይ ምብራቕ ይገልጹ።
ኣሜሪካ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ትወስዶ ስጉምቲ ብቐሊሉ ክዓርፍ ዘይክእል ኣዕናዊ ሳዕቤን ከኸትል ከም ዝኽእል ብምግላጽ፣ እስራኤል ህዉኽ ስጉምቲ ንኸይትወስድ ሓያል ተጽዕኖታት ትገብር ከም ዘላ እዩ ዝፍለጥ።
ብወገን ንፓለቲካዊ ምዕባለታት ማእከላይ ምብራቕ ቅርበት ዘለዎም ኣካላት ግና፣ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ተመጣጣኒ ስጉምቲ ከይወሰደት ከም ዘይትዓርፍ ክሕበር ከሎ፣ እቲ እስራኤል ትወስዶ ስጉምቲ ንመላእ ዓለም ብኣሉታ ዝጸሉ ሓደገኛ ሳዕቤን ከም ዘኸትል እዩ ዝግለጽ።
መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ድሕሪ እቲ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸመቶ ናይ ድሮናትን ባሊስቲክ ሚሳይላትን መጥቃዕቲ፣ ኢራን ተልእኾኣ ከም ዝወድአት ማለት እስራኤል ደጊማ መጥቃዕቲ ክሳብ ዘይፈጸመት ኢራን ካልእ መጥቃዕቲ ከም ዘይትፍኑ ሓቢሩ ነይሩ እዩ።