ብመሰረት እቲ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ላዕለዎት ከፈልቲ ግብሪ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንወጻእተኛታት ዘተባብዕ ሓድሽ ናይ ወፍሪ ሕጊ ከም ዘጽደቐ ተሓቢሩ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከም ኣምጻእን ለኣኽን፣ ናይ ጅምላ ንብረት ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ መጠናዊ ጽላታት ንግዲ ክነጥፉን ከውፍሩን ክኽእሉ እዮም።
እዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቕሱ ጽላታት ንግዲ ክሳብ ሕጂ ንዜጋታት ኢትዮጵያ ጥራይ ተሓዚኦም ዝጸንሑ ኮይኖም፣ ካብ ሕጂ ንደሓር ግና ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ኣድላይ ዘበለ ቅጥዕታት ብምምላእ ብምሉእ መሰል ኣብ ኢትዮጵያ ንግዳዊ ንጥፈታቶም ከካይዱ እዮም።
ብተወሳኺ፣ ቦርድ ንግድን ኢንዱስትርን ኢትዮጵያ፣ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ኣብ ከም ሰደድ ቡን፣ ሰሊጥ፣ ዝተፈላለዩ ጥረታትን ቆርበት እንስሳን ዝኣመሰሉ ወፍርትታት ክነጥፉ ከም ዝኽእሉ ክገልጽ ከሎ፣ ብዘይካ ነዳድን ድኹዕን ድማ ኩሉ ዓይነት ፍርያት ናብ ኢትዮጵያ ከእትው ከም ዝኽእሉ ድማ ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ኣሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘስርሕ ንግዲ ፍቓድ ንምርካብ ዘኽእል ቅጥዕታትን መምርሒታትን ኣብ ናይ ሚንስትሪ ፍትሕን ቦርድ ንግድን ዌብሳይት ምስ ወጸ፣ እቲ ሓድሽ ምሉእ ብምሉእ ተግባራዊ ከም ዝኸውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
በዚ መሰረት፣ እቶም ኣብ ጽላት ሰደድ ቡን ከውፍሩ ዝደልዩ ወጻእተኛታት ዓመታዊ 10 ሚልዮን ዶላር ዘንቀሳቐስሉ ሰነድ ከርእዩ ከም ዝግደዱን ብተወሳኺ ኣብ ዝቕጽል ሰለስተ ዕቑድ ዓመታዊ ናይ 10 ሚልዮን ዶላር ሰደድ ንምክያድ ብቑዓት ክኾኑ ከም ዘለዎምን ክግለጽ ከሎ፣ ኣብቶም ኣብ ናይ ዘይቲ ዘርኢ ዘውፍሩ ድማ ዓመታዊ ናይ 5 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ከም ዘድልዮም ጸብጻብ ቦርድ ንግዲ ኢትዮጵያ የመልክት።
እቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዓይነት ናይ ወፍሪ ታሪኽ ዘይጸንሖም ኣውፈርቲ፣ ኣብ ሰደድ ቡን ልዕሊ 12.5 ሚልዮን ዶላር፣ ኣብ ናይ ዘይቲ ዘርኢ ድማ 7.5 ዶላር ከውፍሩ ከም ዝግደዱ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
ይኹን እምበር ብዙሓት ኢትዮጵያውን ነዚ ሓድሽ ኣዋጅ ብምቅዋም ናይ ውሽጢ ሃገር ኣውፈርቲ ምስዞም ገዚፍ ርእሰ-ማል ዘለዎም ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክወዳደሩ ከም ዘይክእሉ ብምግላጽ፣ እዚ ስርዓት ብልጽግና ካብቲ ተሸሚምዎ ዘሎ ሕጽረት ናይ ወጻኢ ባጤራ ንኽወጽእ ኢሉ ኣውጺእዎ ዘሎ ሓድሽ ኣዋጅ እኹል መጽናዕቲ ዘይተገበረሉ ህውኽ ስጉምቲ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።