ትማሊ ዓርቢ ዝተቐትሉ ኣባላት ፋኖ ሬስኦም ንቤተሰብ ከይወሃብ ከም ዝተኸልከሉ ተገሊጹ።
እቶም ትማሊ ዓርቢ ኣብ ማእከል ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሓይልታይ ጸጥታ ተታዂሶም ዝተቐትሉ ክልተ ኣባላት ፋኖ ሬስኦም ንቤተሰብ ከይወሃብ ከም ዝተኸልከሉ ወለዶም ንማዕከናት ዜና ገሊጸን።
ኣዴታት እቶም ክልተ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ጎደና ዝተቐትሉ ፋኖ ናሁሰይንን ፋኖ ኤቨነዘርን ካብ ጎንደር ሬሳ ደቀን ክወስዳ ናብ ጳውሎስ ሆስፒታል እንተተመላለሳ ዛጊት ሬሳ ደቀን ክወሃበን ከም ዘይተኻእለ ነቲ ዘጋጠመን ብምረት እናገለጻ ይርከባ።
ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ነቲ ሬሳ ንቤተሰብ ክህበሉ ዘይከኣለ ምምሕዳር ጎንደር ሓላፍነት ኣይወስድን እየ ብምባሉ ከም ዝኾነ ኣብ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ዝቐርብ ዘሎ ጸብጻባት የረድእ።