ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንጎ ፋኖን ፖሊስን ብዝተኻየደ ተዂሲ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም
——————–0——————
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ከባቢ ኣዳራሽ ሚለንዮም ሎሚ ረፍዲ ኣብ መንጎ ኣባላት ፋኖን ፖሊስን ብዝተኻየደ ናይ ተዅሲ ምልውዋጥ ክልተ ኣባላት ናይቲ ዕጡቕ ጉጅለን ሓደ ሰላማዊ ሰብን ክቕተሉ እንከለዉ፡ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ከምዝተወግኡ፡ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።
መራሒ ፋኖ ናይ ጎንደር ዝነበረ ናሁሰናይ ኣንድኣርጌ ታረቀኝ ካብ ፖሊስ ብዝተተኮሰ ጥይት ተወጊኡ ኣብ ሆስፒታል ምስ በጽሐ ክመውት እንከሎ፡ ብጻዩ ሃብታሙ ኣንድኣርጌ ተሰማ ግን ብኡ ንብኡ እዩ ሞይቱ። ኣቤኔዘር ጋሻው ኣባተ ዝተባህለ ሳልሳዮም ድማ ከይተጎድአ ተታሒዙ ኣሎ። ብዘይካዚ፡ ኣቶ እንደሻው ጌትነት ዝተባህሉ መኪና ዝዝውሩ ዝነበሩ ውልቀሰብ ካብቶም ኣባላት ፋኖ ብዝተተኮሰ ጥይት ህይወቶም ስኢኖም።
ብወገን ፖሊስ፡ ሳጅን ኣራርሳ ተሾመን ኮንስታብል ማትያስ ጴጥሮስን ካብቶም ኣባላት ፋኖ ብዝተተኮሰ ጥይት ተወጊኦም ኣለዉ።
ነቲ ክስተት ስዒቡ፡ ካብ ስናፕ ፕላዛ ክሳብ ቦሌ መድሃኒኣለም ዘሎ ጽርግያ ተዓጽዩ ከምዘርፈደ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “እቶም ኣባላት ናይቲ ጥሩፍ ጉጅለ፡ ኣብ ከተማና ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ኣብ ተልእኾ እንከለዉ እዮም ብምክትታል ፖሊስ ፈሺሎም” ክብል ሓትቲቱ።
እቲ መግለጺ ኣስዒቡ፡ ፖሊስ፡ እቶም ኣባላት ፋኖ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻሞም፡ ብኢዶም ንምሓዝ ከምዝፈተነ፡ እንተኾነ፡ ኢዶም ክህቡ ተሓቲቶም ስለዝኣበዩ፡ ናይ ተዅሲ ምልውዋጥ ከምዝሰዓበ ኣረዲኡ።
ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መወዳእታ፡ ኣድላዪ መርመራ ምስተኻየደ፡ ዝርዝራት ናይቲ ፍጻመ ንህዝቢ ክሕብር ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ኣባላት ፋኖን ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ግጭት ተኻዪዱ ዝብል ጸብጻብ ብፖሊስ ክቐርብ፡ እዚ ናይ ሎሚ ናይ መጀመርታ እዩ።
እቲ ፍጻመ፡ ኣብ መንጎ ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖን ሓይልታት መንግስትን ግጭት ካብ ዝለዓለ ልክዕ ሓደ ዓመት ኣብ ዝመልኣሉ እዋን እዩ ዘጋጥም ዘሎ።