ኣፈኛ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ሪር ኣድሚራል ዳንኤል ሃጋሪ፣ ኢራን ንዝተፈላለዩ ዕጡቓጥ ጉጅለታት ብምዕጣቕን ብምስልጣንን ዝተፈላለየ ኣጽዋር ብምቕባል ንመላእ ማእከላይ ምብራቕ ብኲናት ትሕምስ ከም ዘላ ከሲሱ።
ሪር ኣድሚራል ዳንኤል ሃጋሪ ወሲኹ፣ ኢራን ነቲ ሓማስ ኣብ 7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብድሕሪ-መጋረጃ ከም ዝደገፈትን ዝመወለትን፣ እቲ ንሳ ትድግፎ ሕዝቡላህ ነቲ ኲናት ካብ 8 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ክቕጽል ብድሕሪት ኮይና ከም ዝሰርሐትን ብምግላጽ፣ እቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ የመን ካልኦት ጥሩፋት ጉጅለታት ድማ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ተዘርጊሖም ንእስራኤል ጥራይ ዘይኰነ ንመላእ ዓለም ይህውኹ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
እስራኤል፣ ኢራን ካብ ዓለም እታ ዝዓበየት መዋሊት ግብረ-ሽበራ ምዃና ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ምጽናሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ ጊዜዚ ድማ ብመንገዲ ኣፈኛ ምክልኻል ሰራዊታ ኣቢላ፡ ኢራን ኣብ ዞባ ቓዛ፣ ሊባኖስ፣ ሶርያ ጥራይ ከይትሓጽረት ነቲ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬንን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ግጭት ከይተረፈ ነዳዲ ብምኽዓው ጠንቂ ዘይምርግጋእ መላእ-ዓለም ትኸውን ከም ዘላን፣ ሳዕቤን ናይቲ ባዕላ ዝኸስከሰቶ ዞባዊ ግጭት ከም ትስከምን ብኸቢድ ኣጠንቒቓ ኣላ።
ሪር ኣድሚራል ዳንኤል ሃጋሪ ኣብ መወዳእታ፣ እስራኤል ነቲ ኣብ ዝኾነ እዋን ካብ ኢራን ክመጽእ ዝኽእል መጥቃዕቲ ንምክልኻልን ተዓጻጻፊ ግብረ-መልሲ ንምሃብን ካብ ዝኾነ ጊዜ ንላዕሊ ኣብ ተጠንቀቕ ከም ዘላ ገሊጹ።