ተጻዋታይ ዉድድር ኲዕሶ ኣመሪካ ነበር “ኣመሪካን ፉትቦል”፡ ድሒሩ ከኣ፡ ኣብ ዓመተ 1995 ዝነበረ ዝዓበየ ፍርዳዊ መስርሕ፥ካብ ሃይዲ ክሲ ቅትለት ናጻ ዝተባህለ ኦ.ጀይ. ሲምሶን ሓሙስ 11 ሚያዝያ 2024 ዓ/ም፡ ኣብ መበል 76 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ከም ዝተፈለየ ንኣባላት ስድራ-ቤቱ ብምጥቃስ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።
ኣብ ዓመተ 1995 ንበዓልቲ ቤቱ ነበር ኒኮል ብራውን ቀቲሉ ብዝብል ንዝቐረበሉ ሃይዲ ክሲ፡ “መስርሕ ፍርዲ ናይቲ ዘመን” ተባሂሉ ዝጽዋዕ መጋብኣያ ኣብ መወዳእታ ናጻ ድሕሪ ምባሉ፡ኣብ ኣመሪካን ብዙሓት ሃገራት ኣዘራረቢ ሓያል ዛዕባ ምንባሩ ይዝከር።
ሲምሶን ኣብ’ቲ ናይ ዓመተ 1995 ክሲ በዓልቲ ቤቱ ነበር ናጻ ደኣ ይውጻእ እምበር፥ኣብ 2007 ግን ብስርቂን ካልእ ገበንን ተኸሲሱ ንትሽዓተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ምንባሩ ማህደር ታሪኹ የመልክት’ዩ።
ኣብ 2017 ዓ/ም ድማ ካብ ማእሰርቲ ወጺኡ።እንሆ ካብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምውጽእ ኣብ መበል 76 ዓመቱ ብሞት ካብዛ ዓለም ተፈልዩ ይርከብ።