ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ኣብ ርእሰ ከተማ ቻይና፡ቤይጂንግ ምስ ፕረዚደንት ሺን ካልኦት ላዕለዎት መራሕቲ ቻይናን፡ኣብ ብምኽንያት ኣብታ ሃገር ዝገብሮ ዘሎ ዑደት ተራኺቡ ከም ዝተዘራረበ ተሓቢሩ።
“ቻይናን ኣመሪካን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ጉዳያት ዝሰሓሓባ ሃገራት እኳ እንተዀና፥ግጉይ መረዳእታ ይኹን ግጉይ ዝኰነ ቐመር ክህሉ ኣይግባእን’ዩ።” ክብል ብሊንከን ከም ተዛረበ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።
ንሱ ብተወሳኺ ኣብ መደርኡ “ንዘሎና ፍልልያት ሓላፍነታዊ ብዝዀነ መገዲ ክምእዝን ይግባእ’ዩ።” ክብል ተዛሪቡ’ዩ።
ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ፕረዚደንት ሺ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡”ቻይና ኣብ ጉዳይ ዩክሬን፡ንሩስያ ዘለዋ ድጋፍ የሻቕለና’ዩ። ሩስያ ብዘይ ድጋፍ ቻይና ኣብ ኲናት ዩክሬን ክትቅጽል ከጸግማ ይኽእክ’ዩ።” ክብል ገሊጽሉ።
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ኣብቲ ኣብ ቻይና ዝገብሮ ዘሎ ዑደት፡ብዛዕባ ታይዋንን ደቡባዊ ባሕሪ ቻይናን ኣድሂቡ ተኰነ ከም ዘልዓለ እቲ ሓበሬታ የመልኽት።
ቻይና ዘለዋ ጽልዋ ተጠቂማ፡ነቲ ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንርሑቕ ዝኣመተ ግጭት ከይተስፋሕፍሖ ኣድሂባ ምኽሪ ክትህባ ኣተሓሳሲቡ።
ካብ ዜና ኣመሪካ ከይወጻእና ድማ ፡ሎሚ ዓርቢ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊብከን፡ቻይና ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ሃገሩ ጣልቃ ከም ትኣቱን ጽልዋ ከም ትፈጥርን፡ ሃገሩ መረዳእታ ከም ዘለዋ ገሊጹ።