ከንቲባ ሪጅስዊክ ሆላንድ ዝኾነት በዓልቲ ስልጣን ነቲ ኣብ ዝመጽእ 25 ግንቦት ስርዓት ህግደፍ ከካይዶ ዝመደበ ናይ መዓልቲ ናጽነት ጽምብል ከም ዝኸልከለቶ ተሓቢሩ።
ኣብዚ ጊዜዚ ከምዚ ዓይነት ጽምብላትን ኣኼባታትን ዘይተደለየ ሽግር ይፈጥር ከም ዘሎ ዝሓበረ ምምሕዳር ናይታ ከተማ፡ ኣብ ለካቲት ናይዚ ዓመት ኣብ ዘ ሄግ ሆላንድ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ስርዓት ህግደፍ ከቢድ ናዕቢ ተላዒሉ ከም ዝነበረ ጠቒሱ።
ኣብ ከተማ ሪጅስዊክ ዝርከብ ህዝቢ ዝእከበሉ ማእከል፡ ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ተወዲቡ ኣብ ግንቦት 25 ክካየድ ዝተመደበ ጽምብል ናጽነት ኣቐዲሙ ከም ዝመዝገቦ እኳ እንተተሓበረ፡ ድሒሩ ግና ነቶም ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሆላንድ መጺኦም ኣብ ሪጅስዊክ ጽምብል ከካይዱ ዝመደቡ ኣስታት 800 ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ነቲ መደብ ከቋርጽዎ ከም ዝተገብረ እዩ ተሓቢሩ።
እታ ሳሂን ዝተባህለት ከንቲባ፡ ከምዚ ዝበለ ኣኼባታት ከምጽኦ ንዝኽእል ከቢድ ሳዕቤን ከተማ ሪጅስዊክ ክትስክሞ ከም ዘይትኽእል ብምሕባር፡ ቅድሚ ሕጂ ሕማቕ ስም ንዝጸንሖ ተመሳሳሊ መደባት ከም ዘይተፍቅድን ከምዚ ዝኣመሰለ ጽምብላት ኣብታ ጻዕቒ ምንቅስቓስ ዘለዋ ከተማ ሪጅስዊክ ቦታ ከም ዘይብሉ ገሊጻ።
ብመሰረት ካብ ኦምሮየብ ዌስት ዝተባህላ ትካል ዜና ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ዋላኳ ኣዳለውትን ኣካየድትን ናይቲ ፌስቲቫል፣ እቲ ከጋጥም ዝኽእል ዕንቅፋት ንኢሽተይ ከም ዝኾነ ከረድኡ እንተጸዓሩ፡ ምምሕዳር ከተማ ሪጅስዊክ ግና ነቲ ዘቕረብዎ ሓሳብ ከም ዘይቅበል ናይ ምምሕዳር ከተማ ኣፈኛ ገሊጹ።
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ካናዳ ከምኡ’ውን እስራኤልን ዝተላዕለ ንስርዓት ህግደፍ ዝቃወም ህዝባዊ ማዕበል ኣቓልቦ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከም ዝረኸበ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ጊዜዚ ስርዓት ህግደፍ ኣብተን ንዓሰርተታት ዓመት ሸይ ሸይ ዝበለለን ሃገራት ከቢድ ብድሆን ተቓውሞን ገጢምዎ ኣብ ጭንቂ ከም ዝርከብ እዩ ዝሕበር።