ደርቢ ሰሜን ሎንደን
ጽባሕ ሰንበት ዝካየድ ግጥም ደርቢ፡መዘራረቢ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ 5ይ ደረጃ ዘላ ቶተንሃም፣ኣብ ቻምፒዬንስ-ሊግ ንምስታፍ ከምኡ’ዉን ኣርሰናል ንዋንጫ ንምዕታር ዝካየድ ብምዃኑ ካብ ደርቢነት ሓሊፋ ፍሉይ ኣቓልቦ ረኺቡ ይርከብ።
ብወገን ቶተንሃም ኣብ መስበርቲ ዝነበሩ፥ ከም በዓል ሪቻርድሰንን ፔድሮ ፓሮን፡”ናብ ግጥም ከም ዝምለሱን፡ናይ ኩሉ ጊዜ መወዳድርትና ኣርሰናል ክስዕረና ኣይንፈቅድን፤ኣገዳስነት ሰሜን ደርቢ አጸቢቕና ንፈልጦ ኢና።” ክብል ከሎ ኣሰልጣኒ ቶተንሃም ፖስቴኮግሉ፤ሓለቃ ጋንታ ቶተንሃም ሶን ሁንግ ሚን፡ኣብ ግጥም ኣንጻር ኣርሰናል ናብ ንቡር ብቕዓትና ክንምለስ ንደሊ ኢና ክብል መግለጺ ሂቡ።
ግጥም ቶተንሃምን ኣርሰናልን ጽባሕ ቀተሪ እዩ ክካየድ።ብወገን ኣርሰናል ኩሎም ተጻወቲ ኣብ ጽቡቕ ቁመና እዩም ዝርከቡ።
ኣርሰናል ንቸልሲ 5-0 ዝሰዓረት ጋንታ እያ።