ደሃይ ስፖርት

ደሃይ ስፖርት

ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና/ኮፓ አሜሪካ

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ አርጀንቲና፣ኣብ ክረምቲ 2024 ዝካየድ ዋንጫ ኮፓ አሜሪካ፥ ዋንጫ ከተልዕል ልዑል ግምት ረኺባ ኣላ።

ኣርጀንቲና ተካይዶም ናይ ምድብ ጸወታ፣ትኬት ተሸይጡ ምውድኡ ኣዳለውቲ እቲ ውድድር ሓቢሮም።

ሃገራዊት ጋንታ አርጀንቲና፡ ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም 2022 ኮይና፣ንሊዬነል ሜሲን ካልኦት ኰዋኽብቲ ንምርአይ ልዑል ባህጊ ዘለዎም ደገፍቲ፡እቲ ውድድር ገና እንከሎ ትኬት ተሸይጡ ክውዳእ ክኢሉ ዘሎ።

ኤንዞ ፈርናንደዝ

አርጀንቲናዊ ወሓለ አከፋፋሊ ክለብ ቸልሲ፡ኤንዞ ፈርናንደዝ መጥባሕቲ ምግባሩ ሰዒቡ፡ን ክለብ ቸልሲ ተሪፍዋ ንዘሎ ግጥም ፕሪምየር-ሊግ አይስለፍን።ንሃገሩ ኣርጀንቲና ኣብ ዋንጫ ኮፓ አሜሪካ፡ከርክብ ከም ዝኮነ ዝወጹ ዘለው ጸብጻባት የመላክቱ።

ኬቨን ዲ ብሩነ

ስዑዳዊት ሃብታም ክለብ ኣል ናስር፣ንቤልጅማዊ በዓል ዉሕሉል ክእለት ማእከል ሜዳ፣ ክለብ ማንቸ.ሲቲ ኬቨን ዲ ብሩነ ኣብ ክረምቲ ከተፈርም ምንቅስቓስ ከም ዝጀመረት፥ካብ ሰዑዲ ዝወጹ ዘለዉ ሓበሬታ የመላክቱ።

ክለብ ኣል ናሰር፡ፓርቹጋላዊ ኰኮብ ተጻወታይ ክሪስቲያኖ ሮናልዶ ዝጻወተላ ዘሎ ክለብ እያ።

ሮናልዶን ዲ ብሩነን ተራኺቦም ማለት ምስ ንኣንጻር መጋጥምቲ ክለብ ምጽዋት ማዕረ ክንደይ ፈተና ክኸዉን ከም ዝኽእል ምግማቱ ኣየጸግምን።