ዢ ጂፒንግ ኣብ ዉሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ንፈለማ ጊዜ ናብ ምድረ ኤውሮጳ ጉዕዞ ጀሚሩ።

ዢ ጂፒንግ ኣብ ዉሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ንፈለማ ጊዜ ናብ ምድረ ኤውሮጳ ጉዕዞ ጀሚሩ።

መራሒ ቻይና ዢ ጂፒንግ፡ኣብ ዉሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ንፈለማ ጊዜ ናብ ምድረ ኤውሮጳ ጉዕዞ ኣብ ዝጀመረሉ ፈረንሳይ ኣትዩ ይርከብ።
ዢ ጂፒንግ ምስ ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳ ዘሎዎ ርክባት ክጽግኖ ከም ዝደልይ እንተኰነ ኣብ ጉዳይ ኲናት ሩስያን ዩክሬይንን ዘሎዎ
መርገጺ ሕቶ ዝፈጥር ከም ዝኰነ ጸብጻብ መደበር ተለቪዥን ኣልጀዚራ የመልክት።

ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳ ፖለቲካውን ጸጥታውን ይኹን ዲፕሎማስያውን ቊጠባውን ዝምድናታቶም ዳርጋ ብኣመሪካ እዩ ዝቕለስን ዝእንፈትን ዝብሉ ብዙሓት እዮም።
ነዚ ከም ኣብነት ዝጠቕሱ ድማ ቕድሚ 6 ኣዋርሕ ኣቢሉ መራሕቲ ኣመሪካን ቻይናን ዝገብርዎ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ይጠቅስዎ እዮም።

ኣብቲ ሽዑ ጊዜ ፕረዚደንት ባይደን ምስ ፕረዚደንት ዢ ጂፒንግ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም ምምባሮም ዝዝከር’ዩ። እቲ ካብ ሳን ፍራንሲስኮ ካሊፎርንያ ውጽእ ኢሉ፡ ኣብ ዝርከብ ቦታ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ኤስያ-ፓሲፊክ፥
ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂፒንግን ተራኺቦም፡ ኣብ ዝተዘራረብሉ እዋን “ንጂንፒንግ ሎሚ `ውን ተኰነ ከም ውልቀ-መላኺ መራሒ ከም እየ ዝሪኦ።” ዝበለ ጆ ባይደን፡እንተኰነ ክልቲኦም ወገናት፡ኣብቲ
ሽዑ ጊኤ፡ኣብ ብርክት ዝበሉ ነጥብታት ተሰማሚዖም ምፍልላዮም ይፍለጥ’ዩ።

ነቲ ሽዑ ዝነበረ መድረኽ “ድሕሪ መመላእታ ሓደ ዓመት ውጥረት ዝመልኦ ድራማን ዲፕሎማስን፡ ኣብ መንጎ ዋሺንግተንን በይጂንግን ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር 2023 ታሪኻዊ ዝበሃል ርክባት ኣካይዶም እዮም።”
ዝብል ዓቢይ ዜና ዓወት ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ሰሪሖም ምውጽኦም፡ነዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መንጎ ቻይናን ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳን ዝጅምር ዘሎ ርክባት፡ገለ ገለ ምሁራትን ጋዜጠኛታትን ከመሳስልዎ ይረኣዩ ከም ዘሎ ተንተንቲ ፖለቲካ የገንዝቡ።