ኣብ ኤርትራ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ፡እቲ ንትንሳኤ ክርስቶስ ዘበስር ረዚን ሃይማኖታዊ በዓል ፋሲጋ ብድሙቕን ረዚንን መንፈስ ተኸቢሩ ዝበዓል ምንባሩ ወለድን ታሪኽን ዘረድኣና እዩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርእይቶ የገንዝቡ።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ግን እቲ ሃይማኖታዊ በዓላትን ድምቐትን ከምቲ ዝድለይ ከም ዘይኰነ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝመጸሉ ወቕቲ ብግፋን ማእሰርትን ኣልባቡ ዝጠፍኣሉ ህዝቢ ሃይማኖታውን ሃገራውን በዓላቱ ብሰላም ቀሲኑ ክሕልፍ ይትረፍ ይግፈፍ ዶ ይኸውን ወይስ ይእሰር ዝብል ዓቢይ ስግኣት ሕላገቱ ካብ ዝኸውን
ነዊሕ ዓመታት ምቁጻሩ ዘዘካኽሩ ብዙሓት እዮም።

እዚ ሎሚ ዓመት ዝተኸብረ በዓለ ፋሲጋ ድማ ክልተ ዝተዳረበ ጉዳያት ኣንጸላልይዎ ከም ዝርከብ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ይገልጹ።
ንሱ ድማ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ኣሕዋቱን ደቁን ዝምልከት ዝርዝር ኣስማት ስውኣትን ስንኩላንን ዛጊት ብዘይምንጋሩ ዓቢይ ሻቕሎት ሓዲርዎ ከም ዘሎ ብምጥቃስ
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ነቶም ደሃዮም ኣጥፊኦም ዝጸንሑ ምናልባት ኣብ ኤርትራ ተማሪዀም ይዀኑ እዮም ክበሃሉ ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ መርድእ ዳግማይ ክነግር
ምጅማሩ ኤሪሳት ካብ ግዳያት እቶም ስድራቤታት ዝረኸበቶ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ዳግማይ ዝተጀመረ መስርሕ ምንጋር መርድኣት ኣብ ኤርትራው ተወሊዶም ዝዓበዩ ተጋሩን ካብ ኤርትራውያን ስድራቤታት ዝተረኽቡን፡ ፍርቂ ፍርቂ ዝውለዱን ዝርከብዎም ብምዃኖም እቲ ምብጻሕ ሓዘን
ኣብ ፈቐዶ ከተማታትን ዓድታትን ኤርትራ ከይተረፈ ብምጽሑ ኣሉታዊ ስምዒታት ክፈጥር ምጅማሩ ምንጭታት ኤሪሳት የገንዝቡ።

ኣብነት፡ኣብ ከባቢ ገጀረትን ጎዳይፍን፡ኣብ ዞባ 7፣ኣብ ከባቢ ቪላጆ-ሰኒታ ዝተረድኡ መርድኣት ካብ ኣስመራ ጥራሕ ምቕራብ ከም ዝከኣል እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ይገልጹ።
እዚታት ነቲ መስዋእቲ ደቁ ዘይፈለጠን ደሃይን ሃለዋቱን ኣባላት ስድራቤቱ ፍጹም ዘይረኸብን ክሓትት ዘይከለ ኣካል ሕብረተሰብ ከቢድ ጾር ኰይንዎ ይርከብ።

ገለ ገለ ግዱሳት ኤርትራውያን ድማ ነቶም ደሃይ ደቆም ፍጹም ዘይጸንሖም ተጋሩ ፈለጥቶም ኣብ ኤርትራ ተማሪዀም ከይህልዉ ደሃይ ኣብ ምድላይ ክረባረብሎም ምጽንሖም እቶም ምንጭታት ኤሪሳት ወሲዀም የገንዝቡ።
በዓለ ትንሳኤ ብኸምዚ ኣገባብን ምስቲ ብህግደፍን ደገፍቶምን ወረ ኲናት ጀሚሩ ዘሎን ምጽጋዕ ሰራዊት ናብ ዶባት ተወሲኽዎ ቀሲኑን ተሓጉሱን ክሕልፎን ክጽንብሎን ከም ዘይከኣለ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ የረድኡ።

ኣብ ጉዳይ ናህሪ ዋጋታትን ምኽባር ኣስቤዛን ድማ ዓቢይ ዛዕባ ኰይኑ ብምህላዉ ጥሉል ሓበሬታ ኣብ ዝረኸብናሉ ጊዜ ናባኹም ከነብሎ ምዃና ክንሕብር ንፈቱ።