ተማሃሮ ኢንስቲትዩት ማሳቹሰት ናብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቶም ሓይሊ ፖሊስ ከይኣቱ ዓጊቶሞ።
ኣብ ማሳቹሰት ኢንሲቲትዩት ቴክኖሎጂ (MIT)፡ ንፍልስጤማውያን ግዳያት ዝጣበቑ ተምሃሮ፡ሓይልታት ጸጥታ ንምፍራስ ቴንዳታቶም፥
ኣብ ዝፈተነሉ ጊዜ ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዞም ናብ’ቲ ቀጽሪ እቲ ትካል ምእታው ከም ዝኸልከሉ ተሓቢሩ።
እቶም ተማሃሮ እቲ ትካል ትምህርቲ፡ብሓይሊ ፈንጺጎም፡ ነቲ ቦታ ከም ዝተቖጻጸሩዎ ተሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ኣብታ ኣድማ ዝጀመረላ ዩኒቨርስቲ ኮሎምቢያ፥ብሰንኪ’ቲ ዘሎ ዘይምርግጋእ እቲ ዓቢይ ስነ-ስርዓት
መመረቕታ ተሰሪዙ፥ ብኣዝዩ ንኡስ መጠን ኣብ ክፍልታት ክወሃብ ብምዃን ክከናወን ተወሲኑ ይርከብ።