ኣብ ብራዚል ብዘጋጠመ ከቢድ ዉሕጅ፡75 ክሞቱ ከለዉ ልዕሊ 100 ሰባት ድማ ደሃዬም ከም ዝጠፍአ ተገሊጹ።
ኣብ ግዝአት ሪዬ-ግራንደ-ዶ-ሱል ብራዚል፣ብዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ዉሕጅ ኣብ ዝሓለፈ 7ተ መዓልቲ፣75 ሰባት ክሞቱ ከለዉ፣ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ድማ ደሃዬም ከም ዘይተረኽበ ሰበስልጣን ብራዚል ሓቢሮም ክትብል መርበብ ሓበሬታ አልጀዚራ ጸብጺባ።
ሰብ መዚ ምክልኻል ሲቪላውያን ብራዚል ከም ዝሓበርዎ-ልዕሊ 88,000 ዝኰኑ ዜጋታት እታ ሃገር፡ካብ መንበሪ ኣባይቶም ሃዲሞም ክወጹ ከለዉ፣ኣሰታት 16,000 ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፣ማዕከናት ጂምናዝየምን፣ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢታት ኣጽሊሎም ከምዘለዉ ሓቢሮም። እቲ ከቢድ ሓደጋ ዉሕጅ፣ዘስዓቦ ዕንወት ኣብ ግዝአት ሪዬ- ግራንደ-ዶ-ሶል ምህማም መሬት፣ምሕጻብ ጽርግያታትን ምፍራስ ድልድላት አስዒቡ ይርከብ። ሰብ ሞያ እታ ግዝአት ከም ዘረጋገጽዎ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክን መራኸቢታትን ሰለ ዘጋጠመ፡ ልዕሊ 800,000 ህዝቢ ብዘይ ዝስተ ማይ ተሪፋ ምህላዉ ኣረጋጊጾም።
እቲ ሓደጋ ዉሕጅ ካብ ዘጋጥም ንደሓር፣ፕሬዝደንት ብራዚል ሉኢስ -ኢናሾ-ሉላ-ዳ-ሲልቫ ንመበል ካልአይ ጊዜ ምስ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ጆሴ-ሙቺዬ ዝርከቦም፡ሚኒስተር ፋይናንስ ፈርናንዶ ሃዳድ ከም’ኡ’ዉን ሚኒስተር ኣከባቢ ወ/ሮ ማሪና ሲሌቫ ናብ ግዝአት ሪዬ-ግራንደ ብምኳን ኣብቲ ሃስያ ዘወረዶ ከባቢታት ምብጻሕ ብምግባር፡ ኣድላይ ዘበለ ሓገዛት፡ከም ዝግበር፡ነቲ ዘጋጠመ ዕንወት ድማ ብሄሊኮፕተር ተሰንዮም ተዓዚቦም ከም ዝተመልሱ እቲ ሓበሬታ የረድእ። ኣመሓዳሪ ግዝኣት ሪዬ-ግራንደ_ዶ-ሶል ኤርዋርዶ ሊተን፡ነቶም ሓደጋ ዘጋጠሞም ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ መስርሕ ዳግመ ህንጸት ክካየድ ምኳኑ ቃል ኣቲዩ። ፕሬዚደንት ብራዚል ሉላ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ደጊም ድሕሪ ዘጋጠሙ ሓደጋታት ምጉያይ ክነቋርጾ ኢና።” ዝበለ ኮይኑ፣እንታይ ዓይነት ሓደጋ ከጋጥም ከምዝኽእል ኣቐዲምና ክንዳሎ ኣሎና፥ብምባል በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣዚዩ ከም ዝሓዘነ ገሊጹ’ዩ።
ሩባ ጓይባ ልዕሊ ዓቕሙ ማይ ብምምልኡ ስዒቡ’ዩ እቲ ሓደጋ ዉሕጅ ከጋጥም ክኢሉ። ኣብ ዓመተ 1941 ሩባ ጓይባ 4.76 ሜትር ብምምልኡ፡ማይ ኣይሂ ተባሂሉ ክብረ-ወሰን ሒዙ ጸኒሑ። እዚ ሕጂ ከቢድ ሓደጋ ዘጋጠመ 5.33 ሜትሮ ማይ ብምምልኡ ዝስዓበ ምኳኑ እቲ ሓበሬታ የመልክት። ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን ዓለም፡ካብ ቫቲካን ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ-ንህዝቢ እታ ግዝኣት ኣብ ጸሎት ከምዝርከቡ ሓቢሮም። ኣብ ዓመተ 2023 ከቢድ ዝናብ ዘስዓቦ፣ኣብ ወርሓት፡ሓምለ፣መስከረምን ሕዳርን ኣኸታቲሉ ብዘጋጠመ ሓደጋ ዉሕጅ፥ኣብ ብራዚል ህይወት 75 ሰባት ወሲዱ እዩ።
ኣብ ኣህጉር ደቡብ አሜሪካ ተርእዮ ክሊማ ኤል-ኒኖ፡ብፍላይ ድማ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ብራዚል ጽዑቕ ዝናብ ከስዕብ ከሎ፣ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ከኣ ከቢድ ድርቂ እናስዓበ ከም ዝመጸ ክኢላታት ሜትዮሮሎጂ ይሕብሩ። ኣብዚ ዓመት ጽልዋታት ኤል-ኒኖ ኣዝዩ ድራማዊ ኮይኑ ይርከብ።ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ድርቂ፡ ኣብ አማዞን ከጋጥም ክኢሉ፣ እዚ ከኣ ብሰንኪ ደቂ ሰባት ዝመጽእ ለዉጢ ክሊማ፡ጽንኩር ኩነታት ኣየር ክፍጠር ከም ዝኸኣለ ተመራመርቲ ሰነ-ፍልጠት ኣረጋጊጾም።