ኣገልግሎት ጸጥታ ዩክረይን (ኤስ.ቢ.ዩ.)፡ ንፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ንምቕንጻል ብሩስያ ዝተዋደደ ውዲት ከምዘፍሸለ ገሊጹ።
ምስቲ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር፡ ክልተ ኣባላት ሓለዋ መንግስቲ ዩክረይን ዝኾኑ ኮሎኔላት ተኣሲሮም ከምዘለዉ ዝሓበረ ኤስ.ቢ.ዩ.፡ እቶም ኮሎኔላት፡ ካብ መንጎ ኣባላት ሓለዋ ፕረዚደንት፡ ነቲ ፕረዚደንት ጨውዮም ዝቐትሉ ወለንተኛታት ክደልዩ ከምዝጸንሑ ኣረዲኡ። ኣካል ናይቲ ብመንግስቱ ሩስያ ዝውነን መርበብ ናይ ሰለይቲ ኣገልግሎት ጸጥታ ሃገረ ሩስያ (ኤፍ.ኤስ.ቢ.) ምንባሮም ድማ ኣነጺሩ።
እቲ ውዲት፡ ንሓላፊ ወተሃደራዊ ስለያ ኪሪሎ ቡዳኖቭን ሓላፊ ኣገልግሎት ጸጥታ ዩክረይን (ኤስ.ቢ.ዩ.) ቫሲል ማልዩክን እውን ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ፡ ቢቢሲ ንሓበሬታ ኤስ.ቢ.ዩ. ብምጥቃስ ኣፍሊጡ።
ሚስተር ቡዳኖቭ ቅድሚ ትንሳኤ ናይ ኦርቶዶክስ ክቕንጸል ተወሲኑ ምንባሩ፡ ንዕኡ ንምፍጻም ከኣ፡ ከድዓት ሰለይቲ ናይ ዩክረይን ተጠቒምካ እቲ ሓላፊ ወተሃደራዊ ስለያ ዘለዎ ቦታ ድሕሪ ምፍላጥ፡ ብሮኬታትን ድሮናትን ንምድምሳሱ ተወጢኑ ምንባሩ፡ ኤጀንስያ ስለያ ናይታ ሃገር ኣረዲኡ።
“እቲ ውዲት ይፍሸልምበር፡ ጸላኢና ሓያልን ምኩርን ምዃኑ ክንርስዕን ኣነኣኢስና ክንርእዮን የብልናን” ይብል ሓደ ካብቶም ክቕንጸሉ ተሓሲቦም ነይሮም ዝተባህሉ ሰብ መዚ፡ ሓላፊ ኣገልግሎት ጸጥታ ዩክረይን (ኤስ.ቢ.ዩ.) ቫሲል ማልዩክ።