ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ፡ንክሲ ሓይልታት ወሃቢ ፈጣን ደገፍ ኣተኲሩ መልሲ ሂብሉ።
ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ፡ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ካብ ሓይልታት ወሃቢ ፈጣን ደገፍ ንዝመጾ ክሲ፡ መልሲ ከም ዝሃበሉ ማዕከናት ዜና ክልል ትግራይ ሓቢረን።
“ሓይልታት ህወሓት፡ኣብ ጎኒ ሰራዊት ሱዳን ተሰሊፎም ይዋግኡ ከም ዘለዉ ዝገልጽ ጭብጢ ሰኒድና ኣለና።” ክብል ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ክሲ ዘቕረበ ምዃኑ ይፍለጥ።
ንግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ድማ
“ዕጡቓት ህወሓት ይሳተፉ ኣለዉ ዝብል ክሲ ብሓሳቦም ዝሳኣልዎ ካብ ምዃን ዘይሓልፍ’ዩ” ዝብል መልእኽቲ ዘሎዎ መልሲ ከም ዝሃበሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ሱዳን ዓሚ ወርሒ ሚያዝያ 2023 ደማዊ ኲናት ሕድሕድ ካብ ዝጅምር ንደሓር ገለ ገለ ሃገራት ብስውርን ብቐጥታን ጣልቃ ክኣትዋ ተራእየን እየን።
ከም ግብጽን ኢማራትን ብቐንዱ ዝግለጻ ሃገራት ክኾና ከለዋ፣ምዕራባውያን ሃገራትን ከም ሩስያን ደገፍታን ድማ ብኻልእ ሸነኽ እጃመን ክገብራ ምጽንሐን ብሰፊሑ ይእመን።
ኤርትራ ድማ ኣብ ጎረባብቲ ጣልቃ ብምእትውን ህውከት ብምዝራእን ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣወንታዊ ስም ከም ዘይብላ ዝፍለጥ’ዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ህውከትን ዓመጽን ይኹን ኣብ ኩናትን ወረ ኲናትን ዘሎዎ ቦታታን ዓድታትን ብዙሕ ረብሓታት ዝረኽበሉ ልሙዕ ሸኻ ምዃኑ ተዓዘብቲ የረድኡ።