ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕቲ ትፍኑ
——————–0——————
ሩስያ፡ ንትሕተ-ቅርጺ ጸዓት ዩክረይን ዒላማ ዝገበረ፡ ኣብ ሓደ ለይቲ ልዕሊ 70 ሚሳኤላትን ድሮናትን ከምዝወንጨፈት ኣልጀዚራ ሓቢራ።
እዚ ናብ ረቡዕ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ዝተኻየደ ሓደ ካብ ዓበይቲ መጥቃዕቲታት ሩስያ ኣንጻር ዩክረይን ምዃኑ ዝተነግረሉ ደብዳብ ሚሳኤላትን ድሮናትን፡ ኣብ ኬቭን ካልኦት ሽዱሽተ ከተማታትን ንዝርከብ ትሕተ-ቅርጺታ ሃገር ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብተወሳኺ፡ መስመራት ባቡር ምድርን መንበሪ ኣባይትን እውን በቲ መጥቃዕቲ ተውቒዖም ከምዘለዉ ተፈሊጡ።
ከም ሳዕቤን ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ትሽዓተ ዞባታት ዩክረይን ሓይሊ ኤለክትሪክ ከምዘቋረጸን ኣብ ሓጺር እዋን ዝፍታሕ ከምዘይመስልን፡ ንሰብ መዚ ሓይሊ ኤለክትሪክ ዩክረይን ብምጥቃስ ኣልጀዚራ ኣብ ገጻታ ኣስፊራ ኣላ።
“ጸላኢ፡ ዩክረይናውያን ንምጽልማት ዘንቀዶ ውጥን፡ ኣየቋረጾን ዘሎ” ይብል ሚኒስተር ጸዓት ዩክረይን ጀርማን ጋሉሽሸንኮ።
ዕላማ ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ትሕተ-ቅርጺ ጸዓት ዩክረይን ንምልማስን፡ ሓፋሽ ዩክረይን ኣንጻር ወራር ሩስያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ናይ ቃልሲ ሸውሃቱ ንምዕጻውን ምዃኑ፡ ተንተንቲ ይገልጹ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ነቲ መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኮኒንዎ ኣሎ።