ጻውዒት ደወል ሓርነት
ጻውዒት፡ጻውዒት፡ጻውዒት፣
ንጎደና ሓርነት መውጽኢት።
ኣድማሳዊ መሰላት ወዲ ሰብ እናጨፍለቐ፥
ንለሰ ክብረት ረጊጹ-ረጋጊጹ እናጨማለቐ።
ክሳዕ መዓስ ክሕምለና እግሩ ናብ ቤተ ክርስትያን ኣምሪሑ፣
መዓስ ሰብ ኰይኑ እሞ ብክፍኣትን ተንኰንልን ርእሱ ኣብሪሑ።
በሉ ሃየ ንለዓል-እወ ንጉየ፥
እወ፡ኣሎና ብዙሕ ዝዕየ-ዝዕየ።
እስከ ነዚኣ ትስዕብ ጽሕፍቲ፣
እወ፡ነዛ ዉርቕቲ ጽፍፍቲ።
ንበብዋ ንድሕሪት ተመሊስኩም፣
ከይፈልሕ ግን ዝዘሓለ
ደምኩም።
ብንቕሓትን ብጽንዓትን፡ኣስተብህሉላ ክንደይ መብጻዓታት ከም ዝተኣትወ፣
መጋብር ኣርዮስ ብቃላቱ ክሰኣለኩም’ዩ፡ኣብ ወሽመጥ ጥልመት ከም ዝተኻዕወ።
እሞ በሉ ናብቲ ኣብ 1990 ዝተጻሕፈ ከነብለኩም ኢና፥መታን ሰሚዕኩም ወይ ኣንቢብኩም ክትፈርዱ!!
ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ፡ንቕድሚት ናብ ሃገር ክብረትን ራህዋን ብዝብል ብዕለት 18 ነሓሰ 1990፥ናብ ሰማዕታ ኣቃሊሓ ምንባራ፡ብስእሊ መልክዕ ናባኩም ከነቕርቦ ኢና።
እታ ጽሕፍቲ ትሕዝቶኣ ድማ ነዚኣ እያ ትመስል።
መጻኢት ኤርትራ፡ናጻ ኤርትራ እንታይ ክትመስል’ያ፧
ብዛዕባ እታ ናይ ጽባሕ ኤርትራ፡ ክሳብ ዝደቐቐ ዝርዝር ኣቲኻ ምዝራብ ዝከኣል ኣይኮነን።
ምኽንያቱ ጌና ቅርጺ ትፈሊ፡ጌና መልክዕ ትሕዝ እያ ዘላ። ብተወሳኺ፡ሓንሳብ ንሓዋሩ ዘይቅየር መልክዕ ክህልዋ ኣይኮነን፡የግዳስ መመሊስና ክንኩሕላ፡እናሓደርና ክንስልማ፡ ከነማዕርጋን ከነዐምራን ኢና።
እዚ ኰይኑ ግን፡ካብ ብሎሚ ብዛዕባ መሰረታ፡ብዛዕባ ቀንዲ ኣዕኑዳ፡ብዛዕባ ሓፈሻዊ ቅርጻን መልክዓን ክንዛረብ ንኽእል ኢና።
ምኽንያቱ መሰረታ ድሮ ተሃኒጹስ ብክቡርን ተሪርን ምልኩዕን እምነ በረድ ትንደቕ እያ ዘላ።
ኣብ ዓቢይ ክፋል ሃገርና፡ኣብቲ ካብ ህላወ ደርግ ዝተናገፈ ከተማታትን ገጠርን፡ናጻ ኤርትራ መጻኢት ዘይኰነስ ህልውቲ’ያ።
እዛ ህልውትን ማዕባሊትን ናጻ ኤርትራ፡ናይ ነፍስ ወከፍ ክፋል ህዝባ፥ሃይማኖት፥ቋንቋ፣ባህልን ልምድታትን ተኽብር፡ኩሉ መንነቱ ተኸቢሩሉ፥ስኒትን ምክብባርን፡ ምትሕግጋዝን ዝነብረላ’ያ።
ናጻ ኤርትራ፡ሂወት ወዲ ሰብ፡ መሰል ወዲ ሰብ ዝኽበረላ እያ። ብዓል ስልጣን ልዕሊ ሕግን ህዝብን ዘይኰነስ ኣገልጋሊኦም፡ ብህዝብን ሕግን ድማ ተሓታቲ ዝኾነላ፡ብዓል ብረት ፍቱው ተኻላኻሊ ህዝቢ’ምበር ዝፍራሕ ገዛኢ ዘይኮነላ ህዝቢ ትሕቲ መልሓሱን ገዛ ዓጽዩን ዘይኮነስ፡ ዓው ኢሉን ኣብ ኣደባባይን ዝዛረበላ እያ።
ኣብኣ ሰዓት እቶ እቶን ናይ ይሕለፍ ወረቐትን ዋጢጥን፡ ብቐበሌ ተገዲድካ ኣብ ኣኼባ ምምጻእን የለን።
ናጻ ኤርትራ ሓረስታይ ዋና ምህርቱ፡ሰራሕተኛ ዋና ደሞዙ፡ ብዓል ንብረት ዋና ንብረቱ ዝዀነላ፡ነጋዳይን ብዓል ርእሰ ማልን ሕጊ ክሳብ ዘኽብሩ፡ከም ልቦም ዝንቀሳቐሱላ ህርኩትን መሃዝን ብልሓተኛን ዝተባብዑላ እያ።
ድምጺ ሓፋሽ ነዚ ዝሕመረቱ መልእኽቲ ክትሕልፍ ከሎ፡ካብ ርእሳን ካብ ባዕላን ኣልዒላ ዘይኰነ-ሲ፣ካብ ፖለቲካውያን ሓላፍቲ ዝህብዎን ዝሰብኽዎን ዝነበሩ ፕሮፓጋንዳ ተበጊሳ ትገብሮ ምንባራ ኣየጠራጥርን’ዩ።
እንተኾነ፡ካብቲ ድምጺ ሓፋሽ ነዚ ዝተኸታተልክሞ ትሕዝቶ ጽሑፍ ካብ ተቃልሖ ንደሓር፡ኣብ ዘሎ 34 ዓመታት ፍረ ዘሎዎ ኣንፈት ናጽነት ሓሳብካ ምሃብን ምጽሓፍን ይትረፍ፣ኣብ ዘመነ ባዕዳውያን ገዛእቲ ፍጹም ዘይድፈር ዝነበረ ክብርታት ሃይማኖትን ኣቦታትን፡ኣብ ታኼላ ዓዘቕቲ ክሽመም ተራእዩ እዩ።
ኤርትራ ብመሪሕነት ኢሳያይስ ኣፈወርቂ ኣብ ዲቕ ዝበለ ጭውነትን ባርነትን ተሳጢሓ ከም ትርከብ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ’ዩ።
ኣቡነ ኣንጦንዮስን ካልኦት ኣቦታት እምነትን መራሕቲ ሃይማኖት ብምእሳርን ብምስቓይን ሕመረቱ ብምግባር ንስም ኤርትራን ታሪኻን ደዊሉ ዝርከብ ኣባይ ስርዓት፡ነቲ ኹሉ መብጽዓታት ክኣቱ ዘይሓኸነ፡ሕጂ ብተግባራቱ ክሓንኽን ብሕልንኡ ክሕተትን ከም ዘይሕሰብ፥33 ዓመታት ሕርሕራይ ገይሩ ኣርእዩና ይርከብ።
ክቡራት ተኸታተልቲ ወይ ድማ ኣንበብቲ፡ኣብ መበል ካልኣይ ክፋል ሒዝናልኩም ክንመጽእ ኢና።
ንምክትታሉ ብኽብሪ ንዕድም።