ደሃይ ስፓርት 08/05/2024
ቻምፒየንስ-ሊግ ኤዉሮጳ፡
ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ካልኣይ እግሪ፣ኣብ ሜዳ ፓርክ -ደስ-ፕሪንስስ ፓሪስ ፈረንሳ፣ኣብ መንጎ ፓሪስ ሰንት-ጄርመንን ጀርመናዊት ክለብ ቦርስያ-ዶርትሙንድን፣ሙሉእ ዓብላልነት ብጸወታን ፈተነን ዝገበረት PSG ብዶርትሙንድ 1-0 ተሳዒራ እታ እንኮ ሸቶ ወሳኒ ተኸላኻሊኣ ማት ሃመልስ ኣመዝጊብዋ።
ኣብ ቀዳማይ እግሪ ብተመሳሳሊ 1-0 ተዓዊታ ዝነበረት ዶርትሙንድ ብድምር 2-0 ተዓዊታ፣ናብ ፍጻሜ ምሕላፋ ኣረጋጊጻ።
ሎሚ ምሸት ካብ ሪያል-ማድሪድን ባየር-ሙኒክን ተዓዊታ ዝሓለፈት ክለብ፣ኣብ ፍጻሜ ኣብ ዌምብሌይ ስታድየም ሎንደን ዝካየድ ክራኸባ እየን።
ኮኾብን ወሳኒ ኣጥቃዓይ ክለብ PSG ኪሊያን ምባፔ፣ቅድሚ ጸወታ ዝሃቦ መግለጺ ዉጽኢት ቀይርና፡ናብ ፍጻሜ ክንሓልፍ ኢና ዝበሎ ከይሰመረሉ ተሪፋ።
ምባፔ ገና ካብ ወዲ 17 ዓመት ኣትሒዙ ምስ ክለብ PSG ጽቡቕ ጊዜ’ኳ እንተሕለፈ ኣብ ቻምፒዬንስ-ሊግ ግና ኣይሰለጦን።
ምባፔ አብ ክረምቲ ፣ናብ ማድሪድ ክሰጋገር ምዃኑ ብሰፊሑ ብማዕከናት ዜና ስፓርት ዝዝረብ ዘሎ ጉዳይ እዩ።
ምባፔ፡ኣብ ማድሪድ ገዛ ከም ዝገዝአን ምስ ክለብ ማድሪድ ብኹሉ ነገር ከምዝተሰማምዐን ኣብ ቀረባ ጊዜ ዕላዊ ክትገብሮ ከም ዝኾነት ትጽቢት ብዙሕጥ ፍቀርቲ ስፖርት እዩ።
ካብ ቻምፒየንስ -ሊግ ኤዉሮፓ ከይወጸና ፣ ኣብ ሞንጎ ክለባት ሪያል-ማድሪድንን ባየር-ሙኒክን፣ ሎሚ ምሸት ዝካየድ ግጥም ፣ሓያል ግጥም ከምኸከዉን ምንም ጥርጥር ኣየድልዬን። እዘን ክልተ ዓበይቲ ክለባት ዝበዝሕ ጊዜ ኣብ መድረኽ ክለባት ኤዉሮጳ ነንሕድሕደን ዝተራኸባ ክለባት አየን።
እዘን ክልተ ዓበይቲ ክለባት አብ ቀዳማይ እግሪ ማዕረ 2ብ2 ተፈላልየን ምንባረን ይዝከር።ኣሰልጣኒ ማድሪድ ካርሎ አንቸሎቲ ከኣ ቅድሚ ጸወታ ዝሃቦ መግለጺ ፣ ብርእሰ ተአማንነት ናብ ፍጻመ ክንሓልፍ ኢና ክብል ተዛሪቡ።
ሎሚ ምሸት አብ ቻምፒዬንስ-ሊግ ኤዉሮፓ፣ ካልአይ እግሪ ፍርቂ ፍጻመ አብ ሜዳ ሳንቲያጎ በርናቡ ፣ ማድሪድ ምስ ባየር-ሙኒክ ዝካየድ ግጥም ፓላንዳዉያን ዳኛታት ክመርሕዎ እዬም። ዋና ዳኛ ስዝይሞን ማርሲኒያክ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።