ልኡኽ ኣሜሪካ ማይክ ሃመር፡ናብ ኢትዮጵያዊ ከምርሕ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ-ሃመር፡ካብ ዕለት 8-19 ግንቦት 2024 ኣትሒዙ ዞባዊ ዑደት ከካይድ ምዃኑ፡መግለጺ መንግስቲ አሜሪካ ኣረጋጊጹ። ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ፡ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ-ሃመር ናብ ኢትዩጵያ ኣብ ዝኣትወሉ ጊዜ ምስ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዩጵያን ምስ ሰበስልጣን ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይን፡ኣብ ኣፈጻጽማን ኣተገባብራን መስርሕ ዉዕል ፕሪቶርያ ኣድሂቡ ክዘራረብ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ማይክ ሃመር ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዩጵያን ግዚያዊ መንግስቲ ምምሕዳር ትግራይን፡ ኣብ ጉዳይ ኣፈጻጽማ ዉዕል ፕሪቶርያ ዝምልከት “እቲ ቃል ዝኣተዉዎ ክፍጽምዎ ኣለዎም። እዚ ከኣ ተልእኾ ኣመሪካ፥ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ እዩ።” ማይክ-ሃመር ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ዘለዉ ቅግጭታት ዝፍትሕሉ መገዲ ንምንዳይን፡ብፓለቲካዊ ዘተ ክፍታሕን ግጭት ደዉ ዝብለሉ መፍትሒ ንምድላይ ዝዓለመ ከም ዝኾነ፣ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን፡ኣብ ጉዳይ እተን ክልላት ንዝረኣዩ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ኣድሂቡ ክካየድ ዝጸንሐ መስርሕ ምርመራ ኣድላይነት ትጽቢት ይግበር። ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ፡ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ-ሃመር፡ኣብ ጉዳይ ጸጥታን ሓባራዊ ዞባዊ ብድሆታትን፡ ዓሊሙ ንምዝርራብ ናብ ሃገራት ኬንያን ጅቡትን ከምርሕ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የመልክት።