ሓይልታት ጸጥታ፡ኣብ ጆርጅ ዋሽንግተን ንተማሃሮ ኣሲሮም።
ፖሊስ ኣብ ጆርጅ ዋሽንግተን፡ ንፍልስጤማዊያን ዝድግፍ ሰልፊ ዘካየዱ ተምሃሮ ብምብታን 33 ዝዀኑ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከም ዘእተወ ገሊጹ። ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፖሊስ መጥቃዕቲ ብምፍጻምን ብዘይሕጋዊ መገዲ ምእታውን ብዝብል ክስታት እቶም ተማሃሮ፡ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዎም ፖሊስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ገሊጹ ይርከብ። እቶም ንፍልስጤማዊያን ዝድግፉ ሰልፈኛታት ናብ መንበሪ ፕረዚደንት ‘ቲ ዩኒቨርሲቲ ብምምራሕ ጭርሖታት ምስምዖምን ፖሊስ ናብ’ቲ ቦታ ምጽውዑን እንተተረጋገጸ እኳ ዛጊት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝኣተወ ተማሃራይ ከም ዘየለ ተሓቢሩ። ኣብ ኣመሪካ ንፍሊስጤማውያን ዝድግፉ ተማሃሮ ቊጽሮም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበዝሐን እቲ ዝገብርዎ ተቓውሞታት እናደንፍዑ ብምኽያዶም ንመንግስቲ ዓቢ ጾር ኰይንዎ ከም ዝርከብ ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ። መንግስቲ ኣመሪካ ክንዮ ስጉምትታት ማእሰርቲ ምውሳድ ንሕቶታቶም ሃንጐፋይ ኢሉ ክቕበል ኣጸጊምዎ ከም ዘሎ ገለ ገለ ምሁራት ንኤሪሳት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ የገንዝብ።