ምምሕዳር ጆ ባይደን ነቲ ናብ እስራኤል ዝልኣኽ ዝነበረ ኣጽዋር ንግዚኡ ደው ከም ዘበለ ተሓቢሩ።

ኣሜሪካ ነቲ ንእስራኤል ክትገብሮ ዝጸንሐት ናይ ኣጽዋር ደገፍ ንግዚኡ ደው ከም ዘበለቶ ትገልጽ ዘላ፡ ምስቲ ሰራዊት እስራኤል ንጻውዒት ኣሜሪካን
ሃገራት ምዕራብን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብምንጻግ ንኸተማ ራፋ ንምቁጽጻር ተካይዶ ዘላ ስርሒት ዝተተሓሓዘ ከም ዝኾነ ብግልጺ ብምሕባር እዩ።

ኣቐዲሙ ምምሓዳር ባይደን፡ ነቲ እስራኤል ንራፋ ምሉእ ብምሉእ ንምቁጽጻር ዝሓዘቶ መደብ ከተቋርጾ ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡
ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ፍልስጤማውያን ካብ ካልኦት ከባቢታት ሃዲሞም ኣብ ከተማ ራፋ ተዓቚቦም ብምህላዎም ሰራዊት እስራኤል ናብ ከተማ
ራፋ ንኸይኣቱ መላእ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ናታንያሁ ሓያል ጸቕጢ ክገብር ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።

ከም በዓል AFP, ኣሾሸትድ ፕረስ ከምኡ’ውን ሮይተርስ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝዘርግሖኦ ሓበሬታ፣ ሓደ ስሙ
ዘይተጠቕሰ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ፡ እቲ ሃገሩ ንእስራኤል ትልእኾ ኣጽዋር ኣብቲ ንኸተማ ራፋ ንምቁጽጻር ዝግበር ስርሒት ኣብ መዓላ
ምእንቲ ንኸይውዕል፡ ኣሜሪካ ንግዚኡ ንእስራኤል ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ምሃብ ደው ከም ተብል ከም ዝገለጸ ገሊጸን።

ከም ውጽኢት ናይቲ ውሳኔ ድማ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ እስራኤል ክልኣኽ ዝነበሮ ብኣሽሓት ዝግመት ናይ ተተኳሲ ቦምባታት ክጸንሕ ከም ዝተገብረ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ንእንስራኤል ንኸይልኣኽ ንግዚኡ ደው ኢሉ ዘሎ ብኣሽሓት ኪሎታት ዝግመት ቦምባታትን ኣጽዋራትን፡ ውሕስነት ሲቪላውያን ሰባት ክሳብ ዝረጋገጽ፡ እስራኤል
ነቲ ንከተማ ራፋ ንምቁጽጻር ትገብሮ ዘላ ምድላዋት ደው ከተብሎ ጸቕጢ ንምግባር ዝዓለመ ከም ዝኾነ ጸብጻብ ናይተን ነዚ ዜና ብቐዳምነት ዝዘርግሓ ዓበይቲ ማዕከናት የረድእ።