ብውሑዱ 1.3 ሚልዮን ደቡብ ሱዳናውያን፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 2018 ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ዓበይቲ ተጻባእቲ ሓይልታት ዝተፈጸመ ናይ ሰላም ስምምዕ ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ ትካል UNHCR ሓቢሩ።

እቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝተኸስተ ኲናት ተኸቲሉ ልዕሊ 45 ሽሕ ደቡብ ሱዳናውያን ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ ገሊጹ።

እቶም ካብ ዓዶም ተፈናቒሎም ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ተሰዲዶም ዝጸንሑ ደቡብ ሱዳናውያን ብሰሪ ሕጽረት መግብን ኣገልግሎት ሕክምናን ካብቲ ተዓቚቦምሉ ዝጸንሑ መዓስከራት ስደተኛታት ብምውጻእ ናብ ዓዶም ከም ዝተመልሱ ትካል UNHCR ዝዘርግሖ ሓበሬታ የረድእ።ዝሓለፈ መጋቢት 21 ብትካል UNHCR ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጥራይ 2.2 ሚልዮን ደቡብ ሱዳናውያን ስደተኛታት ክህልው እንከለው፡ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ኮንጎ ከምኡ’ውን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ እተን ንደቡብ ሱዳናውያን ኣዕቚበን ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃነን ይሕበር።