ሓደስቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ትግራይ ይኣትዉ ከም ዘሎዉ ተሓቢሩ።
ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ተስፋ ብዘይምህላውን ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዶባት ብድሎ ተጸጊዑ ብምህላዉን፡ሓደስቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ትግራይ ይኣትዉ ከም ዘሎዉ ምንጭታት ኤሪሳት ሓቢሮም። እቶም ኣብ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ዝሳተፉን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝተጠርነፉ ምንጭታት ከም ዝሓበርዎ፣ ድሮ ኣውደኣመትን ብድሕሪኡን ሓደስቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብመገዲ ትግራይ ናብ ኢትዮጵያ ይውሕዙ ከም ዘሎዉ ወሲዀም ኣረዲኦም። ንገለ ገለ ካብቶም ስደተኛታት ንምርካብ ጻዕርታት ኣብ ምግባር ከም ንርከብ ክንሕብር ንፈቱ።
ካብ ዜና ኤርትራ ከይወጻእና ድማ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ፋኖን ኣብ ምዕራብ ትግራይን ከባቢኡን ኣብ ዝግበር ዘሎ ኲናት፡ብወገን ኤርትራ ደገፍ ከቢድ ብረትን ሽፈነን ይወሃቦም ከም ዘሎ እቶም ኣብ ጽላል ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝነጥፉ ተጋደልቲ ገሊጾም። እቶም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝርከቡ ኣካላት ቅድሚ ሕጂ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ሕድሕድ ካብ ኣባላቶም ብሰራዊት ኤርትራ ዝተቐትሉን ዝተታሕዙን ከም ዘሎዉ ወሲኾም ኣገንዚቦም። ዝርዝር ደሃዮም ዝጠፍኣን ስጉምቲ ብሰራዊት ኤርትራ ዝተወስደሎምን ክህቡና ኣብ ዝተወከስናሎም ክገልጹና ከለዉ፡ንድሕነት ቤተሰቦምን መቕርቦምን ካብ ዝብል ካብ ምግላጽ ክንቁጠብ ብዝሃቡና ለበዋ መሰረት ንዘሎ ከም ዘሎና ክንሕብር ንፈቱ።
ገለ ገለ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ከም ተቓለስቲ ንፍትሕን ለውጥን መሲሎም ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ መሳርሕቲ ህደግፍ ኰይኖም ብምጽንሖም ኣብቲ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ዝኣተወሉ ጊዜ ናብ ዉሽጢ ኤርትራ ብምኻድ ስራሕ ተዋሂብዎም ኣብ ስራሕ ህግደፍ ተዋፊሮም ከም ዝርከቡ የረድኡ። ኣብ ቀረባ ጊዜ ሓደ ካብቶም ህግደፍ ጨውያ ወሲዳቶ እናተብሃለ ክንገረሉ ዝጸንሐ ዉልቀሰብ ናብ ገለ ገለ ተቓወምቲ ብምድዋል ኣሰሩ ክስዕቡን ደምበ ተቓውሞ ትርጉም የብሉን እዩ ክብል ክሰብኰም ከም ዝፈተነ እቶም ተቓለስቲ ወሲዀም የገንዝቡ።