ሰብ-ሰርሖ ብልሒ፡ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ 2024፡ኣብ ስራሕ ይውዕል ኣሎ።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ኣብ ዓመተ 2024 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ሕጹያት ጆ ባይደንን ዶናልድ ትራምፕን ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ኣድመጽቲ ኣብ ምስሓብ ይጥቀሙ ከም ዘሎዉ ካብታ ሃገር ዝተቃልሐ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ ፖለቲካዊ ጎስጓስ ንዝበዝሑ ኣድመጽቲ ብዝሓሰረ ወጻኢታት ንምብጽሖም ዓሊሙ ፡ሰብ-ሰርሖ ብልሒ (Artificial Intelligence) ኣብ ፖለቲካዊ መድረኻት ኣመሪካ ዝዓበየ ለውጢ ዘምጽእ ኰይኑ ተረኺቡ ከም ዘሎ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ወሲዀም የገንዝቡ። ኣብ ዓመተ 2024 ዝሰላሰል መስርሕ ምርጫ ኣመሪካ ጣልቃ ሓያላት ሃገራትን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ሽርሕታትን ክግበረሉ ከም ዝኽእል ተንተንቲ ዝህብዎ ዘሎዉ ሓበሬታ የመልክት።