ፕረሲደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ንሓማስ ይሕግዝ ኣሎ ተባሂሉ

ምስቲ ናይ እስራኤል ንከተማ ራፋ ናይ ምቁጽጻር መደብ ተተሓሒዙ፡ ኣሜሪካ ብመርከብ ናብ እስራኤል ክትልእኾ ዝነበራ ቦምባታትን ተተኳሲ ኣጽዋራትን ንግዚኡ ደው ብምባላ ዝተቖጥዐ ምምሕዳር ናታንያሁ፡ ናይ ኣሜሪካ ውሳኔ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ንሓማስ ምሕጋዝ ምዃኑ ገሊጹ።

ብተወሳኺ ናይ ጆ ባይደን ውሳኔ ኣብ ልዕሊ ናታንያሁ ከቢድ ተቓውሞታት ከም ዘለዓዓለ ዘ ታይምስ ዝተባህለ ናይ እስራኤል ሜድያ ሓቢሩ። ናይ ተቓዋሚ ሰልፊ መራሒ ዝኾነ ያኢር ላፒድ ድኹም ምምሕዳር ናታንያሁ ነቲ እስራኤል ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ ዝምድና ከም ዘበላሸዎ ገሊጹ።

ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ማሕበረ ኮም ኣይሁድን ካልኦት ክኢልታት ሕግን ነቲ ብኣሜሪካ ተወሲዱ ዘሎ ኣጽዋር ናይ ምኽልካል ስጉምቲ ብትሪ ክቓወምዎ እንከለዉ፡ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ ምስ ግብረ-ሽበራውያን ወጊኑ ብምባል ንጆ ባይደን ክኽስስ ተሰሚዑ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ናይ እስራኤል ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣብ ናይ ኤክስ ድሕረ-ገጹ፡ ሓማስ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ዝድምሰስ እስራኤል መጥቃዕቲ ከም ዘይትቕበል ዝገልጽ ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፍ ለጢፉ።

ሚንስተር ፋይናንስ እስራኤል ድማ ግሉጽ ብዝኾነ መንገዲ ናይ ኣሜሪካ ተቓውሞ እስራኤል ንሓማስ ፈጺማ ንኽትድምስሶ ዘበራትዕ እዩ ብምባል፡ ህላውነትናን ሰላምናን ንምውሓስ፡ ናይ ኣሜሪካ ተቓውሞን ምቁራጽ ሰደድ ኣጽዋርን ብዘየገድስ ክሳብ ምሉእ ብምሉእ ንዕወት ነዚ ኲናት ክንቅጽሎ ኢና ክብል ሓያል መግለጺ ኣስሚዑ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሚንስተር ሃገራዊ ድሕነት ኢታማር በን ግቪር ብሕጽር ዝበለ ሓማስ ንባይደን የፍቅርዎ እዮም ክብል ኣብ ናይ ኤክስ ድሕረ-ገጹ ትዊት ከም ዝገበረ ዘ ታይምስ ዝተባህለ ጋዜጣ እስራኤል ሓቢሩ።