ዜና ሓዘን! ኣብ እስራኤል ከተማ ተል-ኣቪብ ሓደ ንጡፍ ተቓላስን ደላይ ፍትሕን ኤርትራዊ ብልኡኻት ስርዓት ህግደፍ ከም ዝተቐትለ ተሓቢሩ።

ነቲ ሎሚ ዓርቢ ግንቦት 10, 2024 ዝተፈጸመ ኣዝዩ ዘሕዝን ናይ ቅትለት ተግባር ስዒቡ፣ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ንሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታትን ተመለስትን ዝጣበቕ ትካል ብቕትለት ንጡፍ ተቓዋሚ ስርዓት ህግደፍ ኣዝዩ ብኸቢድ ከም ዝሓዘነ ጋዜጠኛ ማርቲን ፕላውት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ገሊጹ።

እዚ ሎሚ ብደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ዝተቐትለ ንጡፍ ኣባል ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ቅድሚ 6 ወርሒ ብምኽንያት እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም 2023 ኣብ እስራኤል ኣብ መንጎ ተቓወምትን ደገፍትን ስርዓት ህግደፍ ተላዒሉ ዝነበረ ብርቱዕ ግጭት ተኣሲሩ ከም ዝነበረ ዝገለጸ ጋዜጠኛ ማርቲን ፕላውት፡ ኣብ እዋኑ ንጥብቅና ናይዚ ሎሚ ግዳይ ቅትለት ኰይኑ ዘሎ ደላይ ፍትሒ ደው ከም ዝበሉ ኣብቲ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ።

ጋዜጠኛ ማርቲን ፕላውት ወሲኹ፡ እዚ ሎሚ ብልኡኻት ስርዓት ህግደፍ ተቐቲሉ ዘሎ ደላይ ፍትሒ፣ ድሕሪ እቲ ኣብ መስከረም ዘጋጠመ ግጭት ሓደ ወርሒ ጸኒሑ ኣብ ዝተኣሰረሉ እዋን፡ ንፖሊስ እስራኤል ዝኾነ ዝፈጸሞ ገበን ከም ዘይብሉ ብምሕባር ንበዓላት ወርሒ ጥቅምቲ ምስ በዓልቲ ቤቱን ኣርባዕተ ደቁን ብምዃን ንኸሕልፎ ፍትሒ ከውጽእሉ ሓቲቱ ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ ድሕሪ ዘካየድናዮ ሓያል ናይ ጥብቅና ስራሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ 18 መዓልቲ ጸኒሑ ክፍታሕ ክኢሉ ክብል ሓቢሩ።

ይኹን እምበር ሎሚ እቲ ነዊሕን ጨካንን መሓውር ዝውንን ስርዓት ህግደፍ ነዚ ብዘይካ ንፍትሒ ምቅላስ ካልእ ገበን ዘይብሉ ኤርትራዊ ኣብ ማእከል ከተማ ቴል-ኣቪብ ነታ መተካእታ ዘይብላ ህይወቱ ብምጥፋእ ንበዓልቲ-ቤቱ መበለት ብምግባር ንደቁ ድማ ብዘይ ኣቦ ክተርፉ ከም ዝገበረ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

በዚ መሰረት፡ ፖሊስ እስራኤል ነቶም ነዚ ኣስቃቒ ቅትለት ዝፈጸሙ ገበነኛታት ብምሓዝ ናብ ሕጊ ከም ዝቐርቡ ክገብርን፡ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዒ ደው ከብልን ንጽውዕ ክብል ጋዜጠኛ ማርቲን ፕላውት ኣብቲ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታት ንኽሕሎ ካብ ነዊሕ እዋን ብዙሕ ጻዕርታት ክገብር ዝጸንሐ ቤ/ጽ ስደተኛታትን ተመለስትን፡ ነቲ ክጽወር ዘይክእል ከቢድ ጓሂ ናይቲ ግዳይ ቅትለት ዝኾነ ስድራቤት ከም ዝተኻፈለ ጸብጻብ ጋዜጠኛ ማርቲን ፕላውት ኣረዲኡ።

በዚ ኣጋጣሚ ቴለቭዥን ኤሪሳት ብቕትለት ናይዚ ንጡፍ ተቓላሳይን ደላይ ፍትሕን ዝነበረ ሓውና ዝተሰምዓ መሪሕ ሓዘን እናገለጸት ንኹሎም ስድራቤትን ፈተውትን መቃልስትን ጽንዓት ይሃብኩም ትብል!!