ኢራን፡ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ክትሃንጽ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ
——————–0——————
ኢራን፡ ህልውንኣ እንተደኣ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ፡ ወተሃደራዊ ሰረተ-እምነታ ብምቕያር ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ከተማዕብል ከምእትኽእል፡ ኣማኻሪ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣጠንቂቑ።
“ኒዩክለሳዊ ቦምባ ናይ ምህናጽ ውሳኔ የብልናን፣ ይኹንምበር፡ ህላወ ኢራን እንተደኣ ኣብ ፈተና ወዲቑ፡ ብዘይካ ወተሃደራዊ ሰረተ-እምነትና [ዶክትሪንና] ምቕያር ካልእ ኣማራጺ የብልናን” ዝበለ ኣማኻሪ ኣያቶላህ ዓሊ ኸመኒ፡ ከማል ኸርራዚ፡ “ምናልባት እቲ ጽዮናዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ኒዩክለሳዊ መሳለጥያታትና መጥቃዕቲ እንተፈጺሙ፡ ግትኣትና ክቕየር እዩ” ክብል ኣተሓሳሲቡ።
መግለጺ ከማል ኸራርዚ፡ ብዛዕባቲ ኢራን ንነዊሕ እዋናት ንሰላማዊ መዓላ ዝውዕል ጥራይ ምዃኑ ክትገልጾ ዝጸንሐት ኒዩክለሳዊ መደባት ሕቶታት ኣለዓዒሉ ከምዘሎ ኣልጀዚራ ኣመልኪቱ ኣሎ።
ኣብቲ ጉዳይ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ናይ ምሃብ ስልጣን ዘለዎ፡ ላዕለዋይ መራሒታ ሃገር ኣያቶላህ ዓሊ ኸመኒ፡ ምምዕባል ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ኣብ እስላም ሓራም ወይ ክልኩል ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ መጀመርታ 2000ሓት ብሃይማኖታዊ ትእዛዝ ከምዝኸልከሎ ይዝከር።
እንተኾነ፡ ኣብ 2001፡ ናይ ሽዑ ሚኒስተር ስለያ ኢራን፡ ምዕራባዊ ጸቕጢ፡ እታ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ከተማዕብል ይደፋፍኣ ከምዝነበረ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ብመሰረት ወግዓዊ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ኤጀንሲ ኣቶሚካዊ ጸዓት፡ ኢራን ዘለዋ ናይ ዩራንዩም ንጥረ ነገራት እንተደኣ ኣበልጺጋቶ፡ ክልተ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምምዕባል እኹል እዩ።