ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ብሕጊ ዝድለዩ ሰባት ኣሕሊፋ ክትህባ ኢትዮጵያ ሓቲታ።
——————–0——————
ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ብሕጊ ዝድለዩ ሰባት ኣሕሊፋ ክትህባ ኢትዮጵያ ከምዝሓተተት፡ ፌደራል ፖሊስ ኣብ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ገጹ ሓቢሩ።
ጀነራል ኮሚሽነር ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ደምመላሽ ገብረሚካኤል ሎሚ 10 ግንቦት ንኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተቐቢሉ ኣብ ዘዛራረበሉ እዋን፡ ኣመሪካ “ኣብ ኣመሪካ ተቐሚጦም፡ ናይ ኢትዮጵያ ሰላምን ድሕነት ዝህውኹ ተደለይቲ ሰባት” ንኢትዮጵያ ኣሕሊፋ ንክትህብ፡ እቲ ኣምባሳደር እጃሙ ከበርክት ሓቲቱ።
እቲ ኮሚሽነር ብተወሳኺ፡ ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ምስ ቢሮ ፌደራላዊ ምርመራ (ኤፍ.ቢ.ኣይ.) ኣመሪካ ዘለዎ ዝምድና ዝያዳ ንምድልዳል እቲ ኣምባሳደር ዝከኣሎ ተራ ክጻወት ተማሕጺኑ።
ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋ ብወገኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ብኣመሪካ ዝድልዩ ገበነኛታት ነታ ሃገር ኣሕሊፉ ብምሃብ ፌደራል ፖሊስ ንዘበርከቶ ኣስተዋጽኦ ብምምስጋን፡ ሃገሩ ንኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ውዕለት ክትገብር ብወገኑ ክጽዕት ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

Photo:Ethiopian Federal Police