ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ንሱዳን 302 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ተመባጺዑ።
—————-0—————-
ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ሱዳን ሰብኣዊ መቕዘፍቲ ንምውጋድ ዝውዕል 302 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ከምእተመባጸዐ ማዕከናት ዜናታ ሃገር ኣቃሊሐን።
ካብቲ ሓገዝ፡ እቲ 117 ሚልዮን ዩሮ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ንዘሎ ሰብኣዊ ጸገማት ግብረ-መልሲ ንምሃብ ዝውዕል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝተረፈ 185 ሚልዮን ዩሮ ድማ፡ ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ተፈጢሩ ንዘሎ ቅልውላዋት ንምፍዃስ ዝውዕል ምዃኑ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።
መብጽዓ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ሱዳን ኣንጸላልዩ ንዘሎ ሰብኣዊ ጥፍኣት ንምውጋድ፡ ስርሒታቱ ኣብ ዘዕብየሉ ዘሎ እዋን እዩ ዝመጽእ ዘሎ።
“ግጭታት ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝዓረገሉን ጥሜት እናበኣሰ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎን እዋን፡ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ጠለባት ንምምላስ፡ እኹል ሓገዝ ወሳኒ እዩ” ዝበለ ዳይረክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ሱዳን ኤዲ ሮዊ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ህይወት ኣሽሕት ንምድሓን ንዝኣተዎ ለጋስ መብጽዓ ኣመስጊኑ።
እቲ ሕብረት ክሳብ ሕጂ ክህቦ ሳላ ዝጸንሐ ሓገዛት፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ ን6.4 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ረዲኤት ከቕርብ ከምዝኸኣለ ዝገለጸ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡550 ሽሕ ካብ ተሓገዝቲ ጥረ ገንዘብኡ ከምእተቐበሉ ሓቢሩ።
ብዘይካ’ዚ ን260 ሽሕ ህጻናት፡ ኣደ ቆልዑን ነፍሰ-ጾራትን ካብ ሕጽረት መግብን ዓጸቦን ከድሕኖም ከምዝኸኣለ ገሊጹ።
ኣብ ሱዳን ኣብዚ እዋንዚ፡17.7 ሚልዮን ሰባት ውሕስነት መግቢ ከምዘይብሎም፡ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ድማ ብሰንኪ ጥሜት ኣብ ኣፋፌት ሞት ከምዝርከቡ ዝገለጸ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ህጹጽ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ፡ ኩነታት ጥሜት ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ክብእስ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።