ጋዜጠኛ ሚሚ ስብሃቱ፡ሽልማት ህይወት ዘመን ተሸሊማ።
ጋዜጠኛ ሚሚ ስብሃቱ፡ኣብ ኬንያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ንጋዜጠኛታት ኣፍልጦ ኣብ ዝህብ መድረኽ፡ ሽልማት ህይወት ዘመን ክትሽለም ምኽኣላ ገሊጻ።
ኣብቲ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ዝሳላሰል ዘሎ፡ንመራሕቲ ማዕከናት ዜና ዘጋብአ መድረኽ (African Media Leader summit) ነቲ ሽልማት ክወሃባ ከሎ፡ዝተሰምዓ ሓጐስን ደስታን ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኽቦኣ ኣብ ዝለጠፍቶ ሓበሬታ የረድእ።
“ንኹልኩም ኣብ ዝሓለፈ መመላእታ 10ታት ዓመታት፡ኣብ ጉዕዞ ህይወተይ ኣካል ዝነበርኩም፡እዚ ተጓናጺፈዮ ዘሎኹ ሽልማት ናትኩም እውን እዩ።” ክትብል ገሊጻ ትርከብ።
ጋዜጠኛ ሚሚ ስብሃቱ ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ከቢድ ዋጋ ካብ ዝኸፈሉ ሓንቲ ክትከውን ከላ፡ካብ ድምጺ ኣመሪካ ኣትሒዝካ ክሳዕ ናይ ባዕላ ትካል ዛሚ ሜድያ ብምኽፋት ኣበርክቶ ከም ዝገብረት ይፍለጥ።
ኣባሓጉኣ መምህር ገብረየሱስ ተስፋይ፡ኣብ ባጽዕ ቤት ማሕተም ስራሕ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ድሕሪ መምህር መንገሻ ብሩ እቶም መበል 2ይ ኣብ’ቲ ሞያ ዝኣተዉን ዘገልገሉን ምዃኖም ማህደራት ታሪኽ የገንዝቡ።