ማን.ዩናይትድ ኣብ ዓለምና እታ ዝኸበረት ክለብ ኮይና ።

ከም ዝፍለጥ ዩናይትድ ህሉው ቁመንኣ ብዘየገድስ፡ብደረጃ ዓለም ኣዚያ ዓባይን ፍትውትን ክለብ ምዃና ዝእመን”ዩ። ነዚ መረጋገጺ ዝኸውን ከኣ The Atletic ካብ Sport.ico ረኺበዮ ብዝበሎ ሓበሬታ መሰረት፡ ብህሉው ተመን ዋጋ፡ ዩናይትድ ዝኸበረት ክለብ ዓለም ምዃና ገሊጹ ይርከብ ።

እዚ ክለባት ብዝግበአን ናይ ዕዳጋ መሸጢ ዋጋን ብዘለወን ዕብየትን ተቀባልነትን ገምጊሙ ተርታ ሰሪዑ ዘቀምጥ ትካል ዝወጸ ጸብጻብ መሰረት ከኣ፡

1ይቲ ማንቸስተር ዩናይትድ
6.2 ቢሊየን ዶላር

2ይቲ ሪያል ማድሪድ
6.00 ቢሊየን ዶላር

3ይቲ ባርሴሎና
5.28 ቢሊየን ዶላር

4ይቲ ሊቨርፑል
5.11 ቢሊየን ዶላር

5ይቲ ባየርን ሙኒክ
4.8 ቢሊየን ዶላር

ምዃነን ካብ 1ይ ክሳብ መበል 50 ተርታ፡ኣብ ዘስፈረሉ ጸብጻቡ እተን ዝለዓላ 5 (top 5) ክብል ገሊጹወን።

ድሕሪ ምኻድ ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን፡ ኣብ ዝቀጸለ 11 ዓመታት፡ብዘይካ’ታ ኣብ ግዜ ጆዜ ሞሪንኖ ዝረከበታ ናይ ኤውሮፓ ሊግ ዋንጫ ዝኮነ ይኹን ዓቢይ ክብሪ ንምጉንጻፍ ብሩኡይ ተጸጊማ ዘላ ዩናይትድ፡ብዘለዋ ግኑን ስምን ግዙፍ መክሰባዊ ዕብየትን ግን፡ ወላ’ውን ኣብ’ዚ ሕማቕ ግዜኣ፡ ንግስቲ ኤውሮፓ ንዝሳጓኣ ስጳኛዊት ክለብ ሪያል ማድሪድ በሊጻ ክትረአ ምኽኣላ ዘገርም’ዩ።

ዩናይትድ ኣብ መላዕ ዓለም ኣስታት ሓደ ቢልየን ዝኸውን ደጋፊ ኣሎዋ፡እዚ ከኣ፡ከም ኣርሰናል፥ቸልሲ፥ቶተንሃም፥ ዌስትሃም፥ፉልሃምን ክርስቲያል ፓላስን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ክለባት ፕሪምየር-ሊግ ዝርከቦኦ’ዩ።

ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ተኰነ ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ደጋፊ ዘለዋ ክለብ’ያ።