መደብ ስፓርት
ፕሪምየር -ሊግ ዓዲ ኢንግሊዝ
መበል 37 ሰሙን ግጥማት፡ ፕሪምየር-ሊግ፡ካብ ሎሚ ቀዳም ክሳዕ ሰኑይ ምሸት ብ10 ወሰንቲ ግጥማት ብድምቀት ክቕጽል ምዃኑ ተፈሊጡ።
ንሻምፒዬና ምዃንን ንዘይምዉራድን ኣብ ዉድድር ክለባት ኤዉሮፓ ንምስታፍ ዝካየዱ ግጥማት ድምቀት ክህብዎ ትጽቢት ተገይሩ ኣሎ።
ሎሚ ቀዳም 11 ግንቦት፡ ፕሪምየር-ሊግ ብ8 ግጥማት ዝቕጽል ኮይኑ፡ ቀትሪ ኣብ ክራቨን ኮተጅ ሜዳ ፋል-ሃም ዝካየድ ግጥም ፋልሃምን ማንቸስተር-ሲቲን ጽቡቕ ናይ ምሰዕዓር መንፈስ ክረኣየሉ ትጽቢት ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እዩ።
ንሲቲ ተሪፈንኣ ዘለዋ 3ተ ግጥማት ኮን ዶኾን ነጥቢ ተደርቢያ፡ክርእዩ ዝህንጠዩ ደገፍቲ ብዝሖም ቀሊል ከምዘይከዉን ርዱእ’ዩ።
ኖቲንግሃም -ፎረስት ምስ ቸልሲ
ቶተንሃም ምስ በርንለይ
ኒዉካስትል-ዩናይትድ ምስ ብራይተን
ዌስትሃም ምስ ሉተን-ታዉን
ኤቨርተን ምስ ሸፊልድ-ዩናይትድ
ቦርን-ማዉዘሰ ምስ ብሬንት-ፎርድ-ዎልቭስ ምስ ክሪስታን-ፓላስ
ጽባሕ ሰንበት፥
ኣብ ሜዳ ኦልት-ራፎርድ፡ማንቸስተር-ዩናይትድ ምስ ኣርሰናል
ኣርሰናል ኣብ ዝሓለፈ 16 ግጥማት፡ናብ ኦልትራ-ፎርድ ተጓዒዛ ዘካየደቶ ግጥም፡ ሓደ ጊዜ ጥራይ ተዓዊታ ተመሊሳ።
ንዩናይትድ ጽቡቅ ዜና ናይ ራሽፎርድን ሊሳንድሮ ማርቲነዝ፡ ካብ መሰበርቲ ድሒኖም ምምላሶም እዩ።
ኩሎም ተጻወቲ ኣርሰናል ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘለዉ ተፈሊጡ።
ኣርሰናል ናይ መወዳእታ ግጥም ካብ ሜድኣ ወጻኢ ምስ ማንቸስተር-ዩናይትድ ተካይዶ ቢጫ ማሊያ ተኸዲና እያ ክትአቱ።ኣርሰናል ሎሚ ዓመት ብጫ ማሊያ ተኸዲና ኣብ ዘካየደቶ፣12 ግጥማት፡ኣብ 10 ተዓዊታ፡ኣብ ሓደ ማዕረ፡ሓደ ስዕረት ኣጋጢምዋ፣33 ሸቶታት ከኣ ኣመዝጊባ።
ኣርሰናል ንደቪድ ራያ ብቀዋሚነት ክተትርፎ ከም እትደሊ ኣረጋጊጻ።
ሓደ ካብ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ስፓኛ ፣ኣብ ዋንጫ ኤዉሮፓ ከም ዝኸዉን ትጽቢት ዝግበረሉ ደቪድ ራያ፡ንክለብ ኣርሰናል ቅድሚ ዋንጫ ኤዉሮፓ ምጅማሩ ብቀዋምነት ኣባል እታ ክለብ ክገብሮ ዝኽእል ዉዕል ክፍርም ትጽቢት ይግበር።ደቪድ ራያ ኣብ 14 ግጥማት ሸቶ ከይተመዝገቦ ክወጽእ ብምኽአሉ፣እቲ ዝበለጸ ሓላዊ ልዳት ፕሪምየር-ሊግ ዓመተ 2023/2024 ኮይኑ ወርቂ ጓንቲ ተሸሊሙ እዩ።
ጆርጂንሆ
ክለብ ኣርሰናል፡ንልምዲ ዘለዎ ኣከፋፋሊኣ፡ጣልያናዊ ጆርጂንሆ ሓድሽ ዉዕል ሓደ ዓመት ኣፈሪማቶ።እዚ ማለት ሰጋብ ወርሒ ሰነ 2025 ኣብ አርሰናል ክጸንሕ ዉዕል ፈሪሙ ይርከብ።ኣርሰናል ኣብዚ ጸወታ ግድን 3 ነጥቢ የድልያ።
ባየር-ሙኒክ (ጀርመን)
ጀርመናዊት ክለብ ባየር-መኒክ ድሕሪ ዓመተ ዉድድር 2011/12 ንመጀመርታ ጊዜ ንጸወታ ዓመተ 2023/24 ብዘይ ዝኾነ ዋንጫ ዝወድኣታ ዓመት ኮይና ኣላ።
ዕድል ኢንግሊዛዊ አጥቃዓይ ሃሪ-ኬን ‘ዶ ይኸዉን፧ ሃሪ-ኬን ምስ ቶተንሃም ኣብ ዝጸንሓሉ ዝኮነ ዋንጫ ክወስድ ዘይከአለ ተጻዋታይ ኮይኑ፡ኣብ እዋን ክረምቲ እዩ ናብ ሙኒኽ ኣቕኒዑ።
ኣስቶን-ቪላ ምስ ሊቨርፑል ሰኑይ ምሸት ግጥም ከካይዳ እየን።
ክሳዕ ሕጂ ካብ ተኻይዶም ዘለዉ ግጥማት፦ኣጥቃዓይ ሲቲ ሄርሊንግ ሃላንድ ብ25 ሸቶታት ይመርሕ።
ተጻዋታይ ቸልሲ ኮል-ፓልመር ብ21 ሸቶታት ኣብ 2ይ ደረጃ ኮይኑ ይስዕብ።
ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ኣጥቃዓይ ኒዉ-ካስትል አሌክሳንደር ኢሳቕ ብ20 ሸቶታት ኣብ 3ይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ።
ኣርሰናል ብ83 ነጥቢ፣ሲቲ ብ 82 ነጥቢ፣ሊቨርፑል ብ78 ነጥቢ፡ ካብ 1ይ ስጋብ 3ይ ተርታ ተሰሪዔን ኣለዋ።