ሓደገኛ ጸወታ ኣመሪካን እስራኤልን ተገማቲ ሳዕቤናቱን
ኣብ 05 ግንቦት፡ ሓማስ ተዅሲ ደው ንምባል ንዝቐረበ እማመ ተቐቢልዎ ዝብል ዜና ኣብ ጋዛ ከም ባርዕ ጫካ ምስ ተዘርግሐ፡ ሰባት ናብ ጎደናታት ወጺኦም ሓጎሶም ክገልጹ ግዜ ኣይወሰደሎምን።ሓጎሶም ግን ነዊሕ ዝጸንሐ ኣይነበረን – እስራኤል ኣብ ራፋሕ ናይ መሬት መጥቃዕቲ ብምኽፋት ንቕድሚት ክትደፍእ ጀሚራ።
መርገጺ ሓማስ ንገስጋስ ዝርርባት ደው ምባል ተዅሲ ይዕንቅፍ ኣሎ ተባሂሉ፡እቲ ፍልስጤማዊ ውድብ ንሳምንታት ብእስራኤልን ኣመሪካን ክኽሰስ ድሕሪ ምጽናሕ፡ንጸላእቱ ብኣድማዕነት ዘወጻጽአ ስትራተጂካዊ ውሳኔ ኣሕሊፉ።
ሕጂ እታ ኵዕሶ ኣብ ሜዳ እስራኤል እያ ዘላ፡ከም ላቔባ ከኣ፡ኣብ ሜዳ ናይታ ቀንዲ ደጋፊታ ዝኾነት ኣመሪካ።
ዘላቒ ሰላም ዘምጽእ ስምምዕ እንተደኣ ዘይተበጺሑ፡ እስራኤል ከም ቀንዲ ዘራጊት ሰላም፡ ኣመሪካ ድማ ከም ቅንዕና ዘይብላ ደላሊት ክቃልዓ እየን።
ክልቲአን ሃገራት ሓደገኛ ጸወታ ይጻወታ ከምዘለዋ ድሮ ምልክታት ክረኣዩ ጀሚሮም ኣለዉ።
ብዛዕባቲ ንሓማስ ዝቐረበሉ እማመ፡እስራኤል ኣፍልጦ ከም ዘይነበራን ኣመሪካ ንመጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ራፋሕ ከም እትቃወምን ዝሕትት፡ኣእማኒ ዘይኮነ ጸብጻብ ንህዝቢ ዓለም ክሸጣ ይፍትና ኣለዋ።
ክልቲአን ሃገራት፡ ዋላኳ ድሒረን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝተገረማን ዝተስደመማን መሲለን እንተቐረባ፡ነቲ ዝመጽእ ዝነበረ ሳዕቤን ስሒተንኦ ነይረን ክበሃል ግን ዝከኣል ኣይኮነን።
እስራኤል ነቲ እማመ ዝነጸገትሉ ምኽንያት፡ነቶም ዝተወሰኽዎ ሓደስቲ ዓናቕጽ ስለ ዘይፈለጠቶም ምዃኑያ ተመኽኒ። ይኹንምበር፡ እቲ ኣብቶም ዝርርባት ዝሳተፍ ዝነበረ ሓላፊ ሲ.ኣይ.ኤይ. ቢል በርንስ ጸብጻብ ናይቲ ዘተ ንእስራኤላውያን የቕርበሎም ከም ዝነበረ ዝሕብሩ ጸብጻባት ኣለዉ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንእስራኤል ዘለዎ ዘይንቕነቕ ደገፍ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ከኣ፡ ምምሕዳር ዋሺንግተን ንረብሓታት ናይታ መሓዝኡ ዝኾነት እስራኤል ሓለፋ ዘይገብር ሽምግልና ከዛቲ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።
ኣመሪካ ብወገና፡ናይ መሬት መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ጋዛ ኣትሪራ ከም እትቃወም እያ እትገልጽ ነይራ። እቲ መጥቃዕቲ ምስ ጀመረ ግን፡ ምምሕዳር ባይደን ዝሃቦ ግብረ-መልሲ፡ነቲ መጥቃዕቲ ምኹናን ዘይኮነስ፡ ኣነኣኢስካ ወይ ኣቆናጺብካ ምርኣዩ እዩ ኮይኑ። ወሃብ ቃል ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ፡ “እቲ ኩሉ ሰብ ዝጽበዮ ዝነበረ ምሉእ ወራር ከምዚ ኣይኮነን፣ እዚ ውሱን ስርሒት እዩ” ክብል ነቲ መጥቃዕቲ ኣከሻሚሽዎ።
በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ፡ኣመሪካ ንውጥናት እስራኤል ትፈልጥ ምንባራ ብተዘዋዋሪ ሓቢሩ።
ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣምሰለ ኩነት፡ ቅድሚ ምክያዱ ኣመሪካ ዝተቓወመቶ “ውሱን ስርሒት”፡ ምስ ተኻየደ ግን ኣዝዩ ውሱን ዘይነበረ ስርሒት፡ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ።
እቲ ናይ 1982 ወራር እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ክጅምር እንከሎ፡ ኣብቲ እዋንቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ዝነበረ መናኸም ቢጊን፡ ነቶም ንሰሜን እስራኤል ዝደብደቡ ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ጉጅለታት ንምድምሳስ፡እስራኤል ናብ መሬት ሊባኖስ 40 ኪሎ ሜተር ጥራይ ክትኣቱ ምዃና ገሊጹ ነይሩ።
ሰራዊት እስራኤል ግን ኣብ 40 ኪሎ ሜተር ደው ኣይበለን።ኣብ ውሽጢ መሬት ሊባኖስ ክሳብ 110 ኪሎ ሜተር ብምግስጋስ በይሩት ኣትዩ።ነታ ርእሰ-ከተማውን ተቖጻጺርዋ።
መንግስቲ እስራኤል፡ብሰንኪ’ቲ ኣብ ባይታ ዘጋጠመ ኩነታት፡ ምሉእ ወራር ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ኣገዳሲ ምንባሩ ብምምኽናይ፡ ንሓሶቱ ክኽውል ፈቲኑ።
ነዚ ድኹም ምኽኒት’ዚ፡ ናይ ሽዑ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣለክዛንደር ሀይግ እውን ደጊምዎ ነይሩ። እስራኤላውያን ክሳብ ዓመተ 2000 ካብ ሊባኖስ ከይወጽኡ ጸኒሖም።
ወራር እስራኤል ኣብ ጋዛ ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ፡ ብኣመሪካ ብወግዒ ዝተዋህበሞ እስራኤል ጽን ኢላ ዝሰምዓቶ መጠንቀቕታ የለን። እንተዝነብር እውን፡ ኣመሪካ ንኩሉ ምንቅስቓሳት እስራኤል እናደገፈት፡ መጠንቀቕታ፡ መርኣያ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክኸውን ኣይክእልን።
ስለዚ፡ እስራኤል ኣብ ራፋሕ ተካዪዶ ዘላ ምሉእ ወራር ደው ከተብል ጸቕጢ ንምግባር፡ ምምሕዳር ባይደን ናብ እስራኤል ብመርከብ ክልእኾ ሓሲቡ ዝነበረ ሓደ ቪያጆ ኣጽዋር ንግዜኡ ኣወንዚፍዎ ከምዘሎ ዝገልጹ ሓበሬታታት ብዓይኒ ጥርጣረ ክርኣዩ ይግባእ።
ኣብ ውሽጢዚ ናይ “ውሱን ስርሒት” ኩነታት፡ ሓይልታት እስራኤል ነቲ ብወገን ፍልስጤም ዘሎ ክፋል መሰጋግሮ ራፋሕ ብወራር ምሓዞም፡ ሰላሕታዊ ምትብባዕ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ይረክብ ምህላዉ ዘሕዝን እዩ።
እቲ ንምስሪ ምስ ፍልስጤም ዘራኽብ ኣገዳሲ መሰጋግሮ ራፋሕ ብእስራኤል ምትሓዙ፡ ኣብ ጋዛ ልዑል ራዕድን ስንባደን ፈጢሩ ኣሎ። ናይ መግቢ ረዲኤት ምሉእ ብምሉእ ደው ክብል ስለ ዝኽእል። ነታ ነቲ መጥቃዕቲ ዝኾነነት ምስሪ እውን ኣሻቒልዋ ይርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ምስሪ፡ ዝኾነ ይኹን ህላወ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ናይ ፍልስጤም ሸነኽ መሰጋግሮ ራፋሕ፡ ጥሕሰት ውዕል ካምፕ ዴቪድን ስምምዕ ፊላደልፊያን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኣጠንቂቓ እያ። ብመሰረትዞም ስምምዓትዚኣቶም፡ እቲ መሰጋግሮ ካብ ህላወ ሰራዊት ናጻ (demilitarized) ክኸውን እዩ ዘለዎ።
እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ምስሪን ኣብ 1979 ዝተፈረመ ውዕል ካምፕ ዴቪድ፡ ኣሳላጢቱን ኣውሓሲቱን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እያ ነይራ። እስራኤል ካብ ጋዛ ድሕሪ ምስሓባ ድማ፡ ኣብ 2005 ብስምምዕ ፊላደልፊያ ተመሓዪሹ። ምስሪ ክሳብ ሕጂ በቲ ስምምዕ ተቐዪዳ እያ ትኸይድ ዘላ።እስራኤል ግን ዝጠሓሰቶ ትመስል።
ምምሕዳር ጆ ባይደን፡ ንወራር እስራኤል ከም “ውሱን ስርሒት” ኣምሲሉ ብምቕራብ፡ ኣንጻሩ ንዝቐርብ ነቐፌታት ብኣድማዕነት ይጥምዝዞ ከምዘሎ ይሓስብ ይኸውን።ኣመሪካ ንዝሸምገለቶ ስምምዕ ብምጥሓስ፡ እቲ መሰጋግሮ ብጎበጣ ምትሓዙ ግን፡ሓደ ንጹር መልእኽቲ እዩ ዘሕልፍ -ኣመሪካን እስራኤልን ንዝፈረማሉ ስምምዓት ምጥሓስ ዕጥጥ ከም ዘይብለን።
ብተወሳኺ፡ ዋሺንግተን ካብ ሓዲዳ ብምውጻእ፡ ንእስራኤል ካብ ሕጋዊ ሳዕቤናት ናይቲ ኣብ ጋዛ ትፍጽሞ ዘላ ጨፍጫፍ ከም ዋልታ ትከላኸለላ ኣላ። በዚ ከኣ፡ ንኣህጉራዊ ሕጊ ተማህምኖ ኣላ። ሰብ መዚ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ንውሳኔታት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት “ዘይቅዪዱ” ኢሎምዎም፣ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ነቲ ኣብ ጋዛ ዘሎ ኩነታት ከም “ዘእምን ጃምላዊ ህልቂት” ኣፍልጦ ስለዝሃቦ፡ ኮኒኖምዎ፣ ንኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ድማ፡ ኣንጻር ሰብ መዚ እስራኤል ናይ ማእሰርቲ ትእዛዛት እንተደኣ ኣሕሊፉ፡ ማዕቀባት ከንብርሉ ምዃኖም ኣፈራሪሖም።
ሕጂ ብዘሎ ውሁብ ኩነታት፡ ጆ ባይደን ኣብ ዝመጽእ ፕረዚዳንታዊ ምርጫ ናብ ስዕረት ገጹ እዩ ዘምርሕ ዘሎ። ሕማቕ ሓድጊ ገዲፉ ምኻዱ ዝተርፍ ኣይመስልን። ተቖጻጻሪ ናይ ጃምላዊ ህልቂት ኣብ ጋዛ ብምዃንን ንኣህጉራዊ ሕጋዊ ስርዓት ብምምህማንን ንዝያዳ ግፍዕታትን ዘይተሓታትነትን መንገዲ ጸሪጉ።
ኣካይዳኻ ንምቕያር ግን፡ ሕጂውን ግዜ ኣሎ። እስራኤል ምስ ሓማስ ቀዋሚ ደው ምባል ተዅሲ ክትቅበል፡ ካብ ጋዛ ምሉእ ብምሉእ ክትስሕብ፡ኣብ ልዕሊ ጋዛ ኣንቢራቶ ዘላ ክርደና ኣልዒላ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዕንቅፋት ክውሕዝን ዳግመ ህንጻ ክጅምርን ከተፍቅድ፡ ባይደን ክዉንን ወሳንን ጸቕጢ ክገብረላ ይግባእ።