ኢትዮጵያ ንወደብ ኬንያ ላሞ ክትጥቀም ከም ዝጀመረት ተገሊጹ።
እታ ብሰሪ ስእነት ወደብ ምስ ጎሮባብቲ ሃገራት ኣብ ምስሕሓብ ዝጸንሐት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ጊዜዚ ናይ ኬንያ ወደብ ላሞ ክትጥቀም ከም ዝጀመረት ተሓቢሩ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ዓበይ ናይ ጽዕነት መርከብ ኣብ ወደ ላሞ ከም ዝበጽሐት ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣተኲረን ዝነጥፋ ከም ማይ ቪውስ ኦን ኒውስ ዝኣመሰላ ሜድያታት ገሊጸን።
ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ጥራይ ክትጥቀም ከም ዝጸንሐት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብሰሪ ክብሪ ክራይ ወደብን ፖለቲካዊ ምኽንያታትን ተወሳኺ ኣማራጺ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ንምርካብ ዝተፈላለየ ፈተነታት ክትገብር እያ ጸኒሓ።
ይኹን እምበር ብሰሪ እቲ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ንተጠቃምነት ወደብ ኣመልኪቱ ዝሓለፈ ዓመት ዝገበሮ ኣዛራቢ መደረ ነቲ ኣብ መንጎ ስርዓታት ህግደፍን ብልጽግናን ዝጸንሐ ምፍንታት መሊሱ ከም ዘብኣሶ ዝዝከር እዩ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ኢትዮጵያ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ሃገረ ሶማሊላንድ ዝተፈራረመቶ ናይ መረዳድኢ ሰነድ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሶማልን ከቢድ ወጥሪ ብምፍጣር፣ ካብ ሶማል ሓሊፉ ንኸም በዓል ግብጽን ቱርክን ካልኦት ኣባላት ማሕበር ሃገራት ዓረብ ከይተረፈ ጣልቃ ክኣትዋ ዝገበረ ተርእዮ እዩ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን እዚ ድማ፣ እቲ ናይ ኢትዮጵያን ርእሰ-ምሕድርቲ ሶማሊላንድን ውዕል ኣብ መስርሕ እናሃለወ፡ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ኬንያ ካልእ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ትረኽበሉ ኣማራጺ ከም ዝረኸበት ይግለጽ ኣሎ።
ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ክንዲ ንዘለወን ናይ ተፈጥሮ ጸጋታት ሓቢረን ብምጥቃም ንህዝበን ዘርብሓን ቅልጡፍ ቁጠባዊ ምዕባለ ዘምጽኣን ብሰሪ ድኹም ምሕደራ ዘይብቑዓት መራሕቲ ወትሩ ኣብ ሕድሕዳዊ ግጭት ክነብራ ምግዳደን ሓደ ካብቲ ዘሕዝን ትዕድልቲ ህዝብታት ምብራቕ ኣፍሪቃ እዩ።